ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሰነ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሓሙስ 29 ሰነ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ዕላል ምስ ወ/ሮ ዛህራ ዓብደልርሒም ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ‘ነጋቲቭ ግይሪንግ’ እንታይ እዩ፧ ኣብ ገዛውቲ ዘውፍሩ ብኸመይ ክጥቀምሉ ይኽእሉ፧ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣመሪካን ውሕሃን ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ መግቢ ድሕሪ ምቁራጾም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ። ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ደቆምን መጻምድቶምን ንምጥርናፍ ብድሆ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ገሊጾም። ካብ እንግሊዝ ንሓደ ስደተኛ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምፍናው ዝግበር ወጻኢታት ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘጽንሖ ከም ዝውስኽ ተገሊፁ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ መዓስከራቶም ኣረኪቦም። ሳፋሪኮም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ትካሉ ሓዱሽ ሓላፊ ሸይሙሉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ መንግስቱ ዝቕባበ ብምጉዳሉ 4.2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ተወሳኺ ገንዘብ ከም ዝተረኽበ ብምግላጽ ሓጎሱ ገሊጹ ኣሎ ። ** ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት ጥዕና ስዑዲ ብረቡዕ (28 ሰነ) ልዕሊ 4,000 ነጋድያን ሕጃ ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም ገሊጹ ። ** ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ኣብ ናይ ጸጥታ መሓውራት ዝዓየዩን ምስ እስላማውያን ምንቅስቓሳቱ ምትእስሳር ዘለዎምን ሰባት: ኣብ ውግእ ሱዳን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሱዳን ይዋግኡ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ** ኣመሪካን ውሕሃን ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ መግቢ ድሕሪ ምቁራጾም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሰነ 2023) | SBS Tigrinya