Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (29 ሰነ 2026)

SBS Tigrinya news
Source: Getty

ን ሎሚ ሰኑይ 29 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሰኑይ 29 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ።


ኣቶ ኣርኣያ ካሳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ገይሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሑፋት ዘቕርብ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ትማልን ሎሚን ከመይ ከምዘሎን ንኽምዕብል ዘድልዩ ነገራት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

ጸወታታት ፊፋ ዋንጫ ዓለም ናይ ጉጅለ ዙር ወድኢኡ ድሮ ሎሚ ንግሆ ጸወታታት ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጀሚሩስ ካናዳ ንደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ብባዶ ኣፋንያታ። ጸብጻብ ብዛዕባዚ ክቐርብ እዩ።

ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሚኒስተር ከምዝመዘዘ ብወግዒ ተገሊጹ ።

ፔን ኢንተርናሽናል ንመንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እሱራት ጋዜጠኛታት ሓቲቱ።

ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክባረሩ ዘይኽእሉ ሓተትቲ ዕቑባ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትቕበል ምዃና ተገሊጹ።

ሓድሽ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 ኣርእስታት ዜና፥

ብናይ ወጻኢ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ኣብ ኢንተርነት ንዋን ኔሽን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ሰኔተር ሳራ ሃንሰን ያንግ ገሊጻ።

ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሓድሽ ተጻብኦታት እናተዘርግሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ምጥቃዕቲታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መገዲ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ካናዳ ንደቡብ ኣፍሪቃ 1-0 ድሕሪ ምስዓራ ፡ ናይ ፈለማ ናብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ዝሓለፈት ጋንታ ኮይና ።

 

Check out our podcast collection here

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now