ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 20223)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሎሚ ሰኑይ 29 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መራሕቲ ኤርትራ ዝኣረገ ስርዓት ከብቅዕ ቃልሲ ከም ዘድሊ ገሊጾም። ኣምባሳደራት ዓባይ ብሪጣንያን ጣልያንን ኣብ ትግራይ ዑደት ኣካይዶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተልዓለ ናዕቢ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ፖሊሳት ዝርከቡዎም ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 3500 መምህራንን ተምሃሮን ብኲናት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ምምካን ነተጉቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይን ዶባዊ ከባቢታትን ክዋፈር ተፈቒዱሉ። ኤርትራ፡ ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፡ ዘመናዊ ጊላነት ብሰፊሕ ዝረኣየላ ሃገር ተባሂላ። ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክን ተመራማሪ ኦኣሌታዊ ኣድልዎን “Racism in Australia Today” ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈን እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉጥ ኣቦርጂናዊ ጋዜጠኛ ስታን ግራን ብዝወረዶ ናይ ዓሌታዊ ዉርደት ካብ ስርሑ ከም ዝወጸ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ኣድልዎ ብፖሊሲ ደረጃን ብውልቀን እንታይ ከምዝመስልን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት መብርሂ ሂቡና ኣሎ ። ቀዳማይ ክፋል ሎሚ ከነቕርብ ኢና። ትንታነ ዜና ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ ምሸት ትህዝቶና እዩ። ቀዳማይ ክፋሉ እዚ ክትሰምዕዎ ዝጸንሕኩም እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንዘሎ ጥሜት ንምቅላስ ተወሳኺ 29 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብር እያ ። ** ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን [[ኢ-መይል]] ፕረዚደንት ቱርኪ ኰይኑ ንሓሙሽተ ዓመት ከገልግል እንደገና ተመሪጹ ። ** መራሕቲ ኤርትራ ዝኣረገ ስርዓት ከብቅዕ ቃልሲ ከም ዘድሊ ገሊጾም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 20223) | SBS Tigrinya