ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 20223)
ናይ ሎሚ ሰኑይ 29 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መራሕቲ ኤርትራ ዝኣረገ ስርዓት ከብቅዕ ቃልሲ ከም ዘድሊ ገሊጾም። ኣምባሳደራት ዓባይ ብሪጣንያን ጣልያንን ኣብ ትግራይ ዑደት ኣካይዶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተልዓለ ናዕቢ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ፖሊሳት ዝርከቡዎም ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 3500 መምህራንን ተምሃሮን ብኲናት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ምምካን ነተጉቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይን ዶባዊ ከባቢታትን ክዋፈር ተፈቒዱሉ። ኤርትራ፡ ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፡ ዘመናዊ ጊላነት ብሰፊሕ ዝረኣየላ ሃገር ተባሂላ። ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክን ተመራማሪ ኦኣሌታዊ ኣድልዎን “Racism in Australia Today” ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈን እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉጥ ኣቦርጂናዊ ጋዜጠኛ ስታን ግራን ብዝወረዶ ናይ ዓሌታዊ ዉርደት ካብ ስርሑ ከም ዝወጸ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ኣድልዎ ብፖሊሲ ደረጃን ብውልቀን እንታይ ከምዝመስልን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት መብርሂ ሂቡና ኣሎ ። ቀዳማይ ክፋል ሎሚ ከነቕርብ ኢና። ትንታነ ዜና ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ ምሸት ትህዝቶና እዩ። ቀዳማይ ክፋሉ እዚ ክትሰምዕዎ ዝጸንሕኩም እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንዘሎ ጥሜት ንምቅላስ ተወሳኺ 29 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብር እያ ። ** ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን [[ኢ-መይል]] ፕረዚደንት ቱርኪ ኰይኑ ንሓሙሽተ ዓመት ከገልግል እንደገና ተመሪጹ ። ** መራሕቲ ኤርትራ ዝኣረገ ስርዓት ከብቅዕ ቃልሲ ከም ዘድሊ ገሊጾም።
Share