ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 መስከረም 2025)

Source: Getty
ን ሎሚ ሰኑይ 29 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ዝሓለፈ ሰሙን ዘዕለለና መቐጸልታኡ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ። ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።
Share