ንሎሚ 30 ሓምለ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ን ሎሚ ሓሙስ 30 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም።
ኢንጂኔር ክብሮም ወልዳይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስዛዘመ ካብ ኣስመራ ናብ ጂማ ብምኻድ ከባብያዊ ጥዕና ኣጽኒዑ። ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብ ሲቪል ኢንጂኔሪን ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ፓሲፊክ ንዓመታት ምስ ዩኒሴፍ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ብምሕደራ ማይ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣጽኒዑ። ኣብ ኣውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ተዋፊሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ላዕለዋይ ኪኢላ ምሕደራ ማይ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢንጂኔር ክብሮም ዝሓለፎም ናይ ትምህርቲን ስራሕን ጉዕዞ ልሙጽ ኣይኮነን ግና ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሩ ሎሚ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ስራሕ ይርከብ። ንኻልኦት ተመክሮ ክኸውን ዝኽእል ጉዕዞ ትምህርቱን ስርሑን ዘካፈለና ካልኣይ ክፋሉ ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ።
ሎሚ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ፈስቲቫል ጋርማ እንታይ'ዩ ኣገዳስነቱ'ኸ፧ ዝብል ትሕዝቶ ኣዳሊና ኣለና።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምስ ኤርትራን ግብጽን ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ብዕዳጋ ዝምራሕ ስርዓት ሸርፊ ወጻኢ ድኽነት ኣብ ክንዲ ዘጉድል ከም ዘጋደደ ሰነድ ፖሊሲ ባንኪ ሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ መምርሒ ባጤራ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመሸጣ ቲኬት ዝረኸቦ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ካብ ኤርትራ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ከውጽእ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሳዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናይ ቆንስላ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ጣልቃ ንኽኣቱ ሂውማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ ዓሰርተ ሓደ ኣዕዋፍ ሕማም ሰዓል ኣዕዋፍ H5 ሕማምስ ዘለዎም ድሕሪ ምርካቦም ፡ ዝያዳ እተጠርጠሩ ሕሙማት ኣዕዋፍ ከምዘለዉ ተፈሊጦም ።
እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝቕጽል ዘሎ ዘስካሕክሕ ባርዕ ዱር፡ እናገደደ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፣ ኣብ ግሪኽ ፡ ሰለስተ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ምቅላስ ባርዕ እናሃለዉ ተቐቲሎም ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ዚናዲን ዚዳን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክኸውን ሸይምዎ ኣሎ ።





