ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 መስከረም 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 30 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ኣብዚ እስራኤል ካብ ቓዛ ሓሊፉ ናብ ሊባኖስ ሊሒሙ ዘለወሉ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ ይርከብ፡ ነዚ ኣመልኪትና ሓሳን ናስራላህ መንዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባኡ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ዜናታት ሊኡኽልና ኣሎ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስጕምቲ ውሑስን ሕጋዊን ምንጻል ጥንሲ ክርከብ ዝጽውዕ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተሳተፍዎ ኣብ ከተማታት ዓለም ናብ ጐደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ካልእ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ሕዝቦላህ ከም ዝቐተለ ገሊጹ። እስራኤል ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብምክያድ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሓድሽ ግንባር ተኸፊቱ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service