ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2025)

Daily News SBS Tigrinya

Source: Getty

ንሎሚ ሓሙስ 31 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዘካሪያስ ገሪማ፡ ብዛዕባ ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝግበር መስርሕ ምትርጓም ብሱሩዕ ዘይከይድ ምህላዉ ጸገማት ክረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ።ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራን ጣልያንን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ ተገሊጹ መንግስቲ የመን፡ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ ተሰሚዑ። መበል 38 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ዳያኑ ዘመሓላለፍዎ መሃያ መማህራን ይከፈል ዝብል ውሳኔ ብሓዱሽ ኣዋጅ ደው ኣቢሉዎ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ሓይልታት ፌደራል ንሓለዋ ዜጋታት ዘለዎም ድልየትን ድልዊነትን መሰከፊ'ዩ: " ክብል ነቒፉ። ባዕልኻ ምጽጋንን ምስራሕን (DIY)፡ ቅድሚ ምጅማርና ክንፈልጦም ዝግባእ ነገራት ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ተዅስን ብውሕዱ 46 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ፡ በቲ ቴክኖሎጂ ናይ ብዙሓት ክታበታት ኮቪድ-19 ዝተማህዘሉ m-R-N-A ብምጥቃም ሓድሽ ክታበት ኤች-ኣይ-ቪን ፈቲኖም ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሃንተር ቫሊ ሓደ ሰብኣይ ንኽምርዖ እናተጓዕዘ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሚኒባስ ፡ ምስ ኣዕሩኽ መርዓዊ ከቢድ ጕድኣት ኣጋጢምዎም ።



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now