ቀጥታ ምሉእ መደባት ትግርኛ (31SBS መጋቢት 2022)

SBS Tigrinya News

Source: Getty Images

ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** ብ ማእከላይ ባንክ ሩሲያ ዝቐረበ ብክልተኣዊ ክፍሊት ዝግበር ስርዓተ ዕድጊን መሸጣን መንግስቲ ህንዲ ኣብ ግምት ከምዘእትዎ ኣፍሊጡ። ** ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኒው ሳውዝ ዌልስ ዕልቕልቕ ማይ ብቐጻሊ የስፋሕፍሕ ኣሎ... ** ኣብ el Clasico ዝተኻየደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ናይ ዓለም ዝበዝሐ ህዝቢ ዝተዓዘቦ ጸወታ ተባሂሉ ተመዝጊቡ።. ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣቶ ቢንያም በርሀ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኮይኑ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ 7 ክልላት ኢትዮጵያ ዝደገሰ ዓሌታዊ ጎንጺ ህይወት ብዙሓት ሰባት ቀዚፉ። ባንኪ ዓለምን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን: ጁቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ንእትወስዶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝተስማምዑ ተገሊጹ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ መስርሕ ተጀሚሩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥** “ምርጫ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተቓረበሉ ክትመርጹ ተዳሊኹም'ዶ፧ ብኸመይ ከ ትምዝገቡ፧”” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘዩ ክከውን።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ መደባት ትግርኛ (31SBS መጋቢት 2022) | SBS Tigrinya