ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ታሕሳስ 2025)

News SBS Audio Mic.png

ንሎሚ ሓሙስ 04 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ኣለና። ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቁስመላህ ዝገበርናዮ ዕላል’ውን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከምዘየለ፡ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ "ዝርርብ ኣይክህሉን " ንዝብል ቅዋም ግብፂ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ኢላቶ። ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኤርትራ ወፍሪ ቍጽጽር ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣካዪዱ። ኣብ ወዳእታ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዘጋጠመ ልዕሊ 1,400 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ብወዝቢ ዝተኸስተ ዘይኰነስ ፡ መጠንቀቕታ ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ኣጠንቂቖም ። ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ፡ ንዩክረይን ብሓደስቲ 95 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ንዋት ክሕግዛ እየን ፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ኣብ ዋንጫ ኤሽያ ኣብዝግበር ዉድድራ ብኮኾብ ተጻዋቲት ሳም ኬር ብርታዐ ሰኒቓ ከምትቐርብ ተገሊጹ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service