Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (6 ሓምለ 2026)

Daily News SBS Tigrinya
Source: Getty

ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ምሉእ ትሕዝቶ ዜና፡ ትንታነ፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትት፡ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፦


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሓምለ 2026 ዘዳለናዮ ምሉእ ትሕዝቶ ዜና፡ ትንታነ፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትት፡ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፦


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ ናይ ቀደም ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተመሃሮ ተኣኪቦም ኔሮም። ናይዚ ርክብ ዕላማ፡ ነዚ ንምውዳብ ዝተሓልፈ ላዕሊ ታሕቲን ውጽኢታቱን መጻኢ መደባቱን ዝምልከት ምስ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ምስ ኣለክሳንደር ጠዓመ ፈቶ ዝተገብረ ዕላል ቀዳማይ ክፋል ኣቕሪብና ኔርና ሎሚ ናይ መወዳእታ ትሕዝቶኡ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣውስትራሊያ ንምንታይ'ያ ሰለስተ ባንዴራታት ዘለዉዋ ብምባል ተገሪምኩም ዶ ትፈልጡ? ሎሚ ኣብ ዝቐርብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብተን ባንዴራታት ዝኾነት ናይ ቶረስ ስትረይት ኣይላንድ ባንዴራ ክግለጽ እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡

ኤርትራ፣ ካብ ሕጂ ንድሓር ኣብ ዙርያ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክትዛረብ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ።

ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝፈጸም ግዱድ ወታደራዊ ምልመላ ተቓዊሙ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፈርዶም ይጽበዩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ስትራቴጂካዊት ከተማ ኩርሙክ ንምንዛዕ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቱ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

 ብሰንኪቲ ኣብ ቨንዙወላ ዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዕቦ ጕድኣት ፡ 9.65 ቢልዮን [6.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ] ክኸውን ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሚቱ ፣

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ ኣመሪካ መዓልቲ ናጽነት መልእኽቱ ኣብ ዘመሓላለፈሉ ነቲ ወትሩ ዝደግሞ ቃል ኮሚኒዝም መንሽሮ ምዃኑ ገሊጹ።

ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝተገብረ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2026 ነርወይ ፡ ብብሉጽ ተጻዋታያ ኤርንሊ ሃላንድ ተመሪሓ ንብራዚል ፡ ብዘደንቕ መገዲ 2ብ1 ስዒራታ ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now