ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሕዳር 2025)

ን ሎሚ ሓሙስ 17 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብፍቓዱ ንዝለቐቐ ኣቦወንበሩ ንኣቶ ክንፈ ሓዱሽ መሪፁ ተኪኡ። ጉባኤ ዘተን ምድድዳእን ትግራይ ኣብ ሕዳር ን2300 ተሳተፍቲ ብምእካብ መድረኽ ከም ዝሳለጥ ሓቢሩ። ስነ ስርዓት ቐብሪ ስሙይ ስነጥበበኛ በረኸት መንግስትኣብ ተፈጺሙ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንክሲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነፂጉ። ንዶክተራት ሕሙማት በብክብደት ጸገሞም ካብ ምስራዕ ክሳብ ምትርጓም/ምትንታን ምስልታት ሓንጎልን ቀዳሞት ምልክታት ሕማማት ኣብ ምፍላጥን ምልላይን ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ AI) ንክንክን ጥዕና ካብ መሰረቱ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና፣ ስደተኛ ኣብዚ ዓለም ዘድልዮ ንብረትን ኣገልግሎታትን እንተረኸበ'ኳ ወትሩ ኣብ ስምዒቱ ዝፍጠር ዘይምላእ ሃጓፍ ጸይሩ እዩ ዝጓዓዝ። እዚ ሃጓፍ እዚ እንታይ እዩ፧ ዋላ ናብቲ መበቆል ዓዱ እንተተመልሰ'ውን፡ እቲ ኣብ ስምዒት ስደተኛት ሓንሳእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ኣይመልእን። ነዚ ንምብራህ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲከን ትመራማሪ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዶ/ር ኣማኑኤል ዓዲምናዮ ዝሃበና መብርሂ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ብዛዕባ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ምጉዳል ዝምልከት ጉዳይ ኣብ ዉሽጢ ሰልፊ ጥምረት ይድፍኣሉ ኣሎ ። ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ክልተ ጃላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከባቢ ገማግም ሊብያ ድሕሪ ምግልባጠን፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝጠሓሉ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣፍሊጦም። ክርስትያኖ ሮናልዶ ናብ ካልእ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክጻወት የማዕዱ።
Share



