ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2025)

World - Tigrinya.jpg

ሎሚ ሓሙስ 18 መስከረም 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ዘሰጎመ ደርሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ ሓጸርቲ ዛንታ ከይተሓጽረ ኣብ ምጽሓፍ ድራማ፡ ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጽሕፎም ዝነበሩን ብሱላት ዓንቀጻትን ዝፍለጥ እዩ። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ብ 30 ነሓሰ 2025 ኣብ መበል 64 ዓመት ዓሪፉ። ብዛዕባ ዘበርከቶም ስራሓትን ብዛዕባ ህይወት ደራሲ ሚኪኤል በርሀን ዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መሳርሕቱን ዝነበረ ኣርቲስት ሚካኤል ኣዶናይ ዝተገብረ ዝርርብ ካልኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ- ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ብሕጋዊ መገዲ ስምካ ብኸመይ ትቕይሮ፧ ክንድህስስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service