ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2026)

Daily News SBS Tigrinya

Source: Getty

ን ሎሚ 16 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ድሕሪ ምባሉ፡ ዓበይቲ ባንክታት መጠን ወለድ ሞርጌጅ ክብ ኣቢለናኦ ይርከባ፣ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብና ኔሩ ናይ መውአዳእታ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ እዩ። ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወደብ ናይ ህላወ ምዃኑ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ። ህወሓት ሕብረት ኣፍሪቃ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ኤርትራ፡ መበል 36 ዝኽሪ ፈንቅል ብድምቀት ጸምቢላ። ፕረዚደንት ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ’ዩ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ቀዳማይን ሚንስተር ኢትዮጵያን ተራኺቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰብሞያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ክምርመር ሓቲቱ። ቻይና ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ዜሮ ቀረጽ ክትትግብር እያ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ሱዛን ሊ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊብራልስ ምስተኣልየት ብፍቓዳ መንበራ ገዲፋ፡ ነቲ ን25 ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረ ዞባ ዝውክል ንምምራጽ ዳግማይ ምርጫ ክግበር እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ ጸም ራመዳን ንምጅማር ይሸባሸቡ ኣለዉ ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓሙስ (19 ለካቲት) ክጅምር እዩ። ኣብ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ዕዉት ኣውስትራሊያዊ ስኪር ማት ግርሃም ናይ ነሓስ መዳልያ ብምርካብ ተወሳኺ ዓወት ጨቢጡ።


Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now