ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሎሚ ሰኑይ 13 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ እዚ ወርሒ ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ናይ ኦርቶዶክስ ኣመንቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ዘለዉሉ ግዜ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ዝግበር ዘሎ ጾምን ምእመናን ዝምልከት: ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ሃመረ ኖህ ኪዳነ ምህረት ኣደልይድ ቆሞስ ኣባ ዪሃንስ ከበደ መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ "ገዚፍ ሃብቲ ኤርትራ ኣብ ኢድ ጓሶት'ዩ።" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እዩ። ልዕሊ 300 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ተሃድሶን ምጥያስን ከም ዝሳተፉ ተገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትንውን ኣለዉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ለበር ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብቲ ዝግበር ምርጫ እንተተዓዊቱ ካብቲ ኣብ ክፍሊታት ኤለክትሪክ ንንኣሽቱ ትካላትን ስድራ-ቤታትን ሓገዝ ንምግባር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ። ** ዓርሞሸሽ ኩባንያ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ኣራምኮ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 244.9 ቢልዮን ዶላር መኽሰብ ከም ዝረኸበ ጸብጻባት ሓቢሮም ። ** ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብ ኣርባዕተ ክፋላት ዝተዘርግሐ ዝሃቦ ሰፊሕ ናይ ወጻኢን ዉሽጢ ሃገርን ትንታነ፡ ሓይልታት ምክልኻል ከም ቀንዲ ሕመረት ህዝቢ ካብ ዓዲ ብዞባን ንኡስ ዞባን ተወዲቡ ኣብቲ ዝግበር ስራሓት ህዝቢ ክሳተፍ ጸዊዑ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service