ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2023)
ናይ ሎሚ ሰኑይ 13 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ እዚ ወርሒ ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ናይ ኦርቶዶክስ ኣመንቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ዘለዉሉ ግዜ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ዝግበር ዘሎ ጾምን ምእመናን ዝምልከት: ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ሃመረ ኖህ ኪዳነ ምህረት ኣደልይድ ቆሞስ ኣባ ዪሃንስ ከበደ መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ "ገዚፍ ሃብቲ ኤርትራ ኣብ ኢድ ጓሶት'ዩ።" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እዩ። ልዕሊ 300 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ተሃድሶን ምጥያስን ከም ዝሳተፉ ተገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትንውን ኣለዉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ለበር ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብቲ ዝግበር ምርጫ እንተተዓዊቱ ካብቲ ኣብ ክፍሊታት ኤለክትሪክ ንንኣሽቱ ትካላትን ስድራ-ቤታትን ሓገዝ ንምግባር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ። ** ዓርሞሸሽ ኩባንያ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ኣራምኮ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 244.9 ቢልዮን ዶላር መኽሰብ ከም ዝረኸበ ጸብጻባት ሓቢሮም ። ** ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብ ኣርባዕተ ክፋላት ዝተዘርግሐ ዝሃቦ ሰፊሕ ናይ ወጻኢን ዉሽጢ ሃገርን ትንታነ፡ ሓይልታት ምክልኻል ከም ቀንዲ ሕመረት ህዝቢ ካብ ዓዲ ብዞባን ንኡስ ዞባን ተወዲቡ ኣብቲ ዝግበር ስራሓት ህዝቢ ክሳተፍ ጸዊዑ።
Share