Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (18 ሰነ 2026)

SBS Tigrinya news

ን ሎሚ ሓሙስ 18 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ፥


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS



Share this with family and friends


ን ሎሚ ሓሙስ 18 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ፥


ን ሎሚ ሓሙስ 18 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ;

ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 መዓልቱ ኣኺሉ ዝጅመረሉ እዋን በጺሑ'ሎ። ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቐጥታን ብነጻን ዘመሓላልፍ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን SBS እዩ።

ንሎሚ’ውን ትማሊ ናይ ዝወዓለ ሓጺር ጸብጻብ ኣለና።

ብዘይካዚ ብዙሕ ኣታዊ ዝርከቦም ዓይነታት ስራሕ ንምንታይ ካብ ብዲግሪ ዝርከብ ብሞያ ተቐይሩ ዝድህስስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።

ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን፡

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ኣርእስታት ጸብጻብ ሉእኽና እዚ ዝስዕብ ኣለዎ፡

ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትግራይ ከምኡ’ዉን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ።

ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራ ንዝቐረበ ክሲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምላሽ ሂባ።

ህወሓት፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ተዳልዩ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ መናእሰይ ንወተሃደራዊ አገልግሎት የሰልጥን ምህላው ኣሚኑ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓቢ ጸገም ይፈጥር ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

 

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 ኣርእስታት ዜና፥

ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ ዓቐን ብዝውሰድ ናይ ሓሽሽ መድሃኒት ሞት ምብዛሑ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይነጸረ ቀረብ መድሃኒት ከምዘጋደዶ ሰራሕተኛታት ጥዕና ገሊጾም ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ነጥብታት ስምምዕ እንተዘይተግቢሩ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ክፍጸም ትእዛዝ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ፡።

ኦስትርያ ካብ 1990 ኣትሒዛ ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ ዋንጫ ዓለም ጸወታኣ ተዓዊታ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now