ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሚያዝያ 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 11 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ቶማስ ሶሎሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ምስ ስድራኡ ብንእሽቶኡ ናብ ሳሕል ከይዱ ብኸቢድ ኩነታት ዝዓበየ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተማህረ ዶ/ር ቶማስ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ትምህርቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሑ ሎሚ ናይ ሓደ ዓቢ ኮርፖሬሽን ቴክኒካል ዳይረክተር እዩ። እዛ “The Unlikely Journey” ዘርእስታ መጽሓፉ ካብ ትሕተ ዕድመ ወተሃደር ክሳብ ተክኒካል ዳይረክተር ኣብ ኣመሪካ ዝኸደሉ ጉዕዞ ትትርኽ ናይ ዉልቁ ዝኽሪ ዝሓዘት እያ። ምስ ታሪኹ ዝተሓሓዘ ዕላል ገይርና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ። ኣብ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቅትለት ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መራሒ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ። “ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለና ተቓዉሞ ናይ ምግባር መሰል።” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሰሙናዊ መደብ ንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእን ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ፒተር ዱተን ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣንጻር ሴማዊ ኣተሓሳስባ ኽዕብልል ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ ፣ መበል 1445 ህጅሪያ ዒድኣልፈጥር ኣብ ትግራይን ኤርትራን ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ። መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ሰለስተ ደቁን እንተ ወሓደ ክልተ ደቂ ደቁን ከም እተቐትሉ ገሊጹ ። ማሕበር ተጋሩ ቪክቶርያ ኣውስትራልያ ኣብ ትግራይ ንምግቢ ዝዉዕል ልዕሊ 16 ሚልዮን ብር ን ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪቡ።
Share