ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/08/2020) ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንኣብነታዊ ተገዳስነቱ ኣብ ስፖርትን ምንቅስቓስ ኦሎምፒክን ዝለዓለ ኣፍሪቃዊ ስፖርታዊ ኣፍልጦ ‘ኣኖካ ኦርደር ኦፍ መሪት’ ተሰሊሙ፡ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ቅድድማት ብሽግለታ ኣብ ፈረንሳ ተሳቲፉ፡ ኣወሃሃድቲ ማራቶን ለንደን 2020 እቲ ጥቅምቲ ዝካየድ ዓመታዊ ውድድር ክቕጽል ብምስምማዕ ናይ ዝለዓሉ ኣትሌታት ወይ ኤሊት ተወዳደርቲ ጥራይ ክኸውን ወሲኖም፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኢጣልያ 1990 ዝተሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩ’እግሪ ካሜሩን ብፕረዚደንት ሃገሮም ቅድሚ 30 ዓመታት ተኣትይሎም ዝነበረ መብጽዓ መንበሪ ኣባይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ተዋሂብዎም
Share






