Superannuation can be a big issue for migrants Source: AAPድሕረ ባይታኦም ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይኮኑ ኣውስትራሊያዊያን፣ ኣብ እዋን ጥሮታኦም ካብቶም ካልኦት ዝተሓተ ዕቑር ገንዘብ ወይ superannuation ስለዝህልዎም ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክሕዝዎ ከምዝግብኦም ተገሊጹ። ማሕበር ሱፐር ኣኑወሽን (The Association for Superannuation Funds ) ከምዝገልጾ፡ ዝሓሸን ዝጠዓመን ናይ ጥሮታ ህይወት ንምህላው ሰብኣይን ሰበይቲን ኣስታት $640,000 ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ሱፐር ክጸንሖም ኣለዎ። ኣብርእሲዚ ካብ ዕዳ ነጻ ዝኾነ ገዛ ክውንኑ ኣለዎም። ኣንተኾነ ዝበዝሑ ድሕረ ባይታኦም ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይኮኑ፡ ኣብ እዋን ጥሮታኦም ኣዚዩ ትሑት ትሕዝቶ ከምዝጸንሖም ይፍለጥ።
ድሕረ ባይታኦም ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይኮኑ ኣውስትራሊያዊያን፣ ኣብ እዋን ጥሮታኦም ካብቶም ካልኦት ዝተሓተ ዕቑር ገንዘብ ወይ superannuation ስለዝህልዎም ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክሕዝዎ ከምዝግብኦም ተገሊጹ። ማሕበር ሱፐር ኣኑወሽን (The Association for Superannuation Funds ) ከምዝገልጾ፡ ዝሓሸን ዝጠዓመን ናይ ጥሮታ ህይወት ንምህላው ሰብኣይን ሰበይቲን ኣስታት $640,000 ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ሱፐር ክጸንሖም ኣለዎ። ኣብርእሲዚ ካብ ዕዳ ነጻ ዝኾነ ገዛ ክውንኑ ኣለዎም። ኣንተኾነ ዝበዝሑ ድሕረ ባይታኦም ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይኮኑ፡ ኣብ እዋን ጥሮታኦም ኣዚዩ ትሑት ትሕዝቶ ከምዝጸንሖም ይፍለጥ።