A tree in a canola field in the NSW Riverina area near Lockhart Source: AAPብናይ ኪኢላዊ ቪዛ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ከምዝሰርሑ ንምግባር እቲ ኣገባብ ኣወሃህባ ቪዛ ከምዝቕይሮ ናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል መንግስቲ ኣፍሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ለውጢ፣ እቶም ብናይ ኪኢላ ቪዛ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣትዉ ሰባት ፍቓድ ቀዋሚ ነባርነት ምስረኸቡ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ስለዝቕየሩ እዩ። ሚኒስተር ዜግነት Alan Tudge ከምዝገልጾ እቶም በዚ ቪዛ ዝኣትዉ ሰባት ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ንኽሰርሑ ዘፍቅድ ቪዛ እንተረኺቦም መንግስቲ እቶም መጻኣቲ ኣብ ገጠራት ኣውስትራሊያ ክነብሩ ንምርግጋጽ መገዲ ክደሊ ክጅምር እዩ።
ብናይ ኪኢላዊ ቪዛ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ከምዝሰርሑ ንምግባር እቲ ኣገባብ ኣወሃህባ ቪዛ ከምዝቕይሮ ናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል መንግስቲ ኣፍሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ለውጢ፣ እቶም ብናይ ኪኢላ ቪዛ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣትዉ ሰባት ፍቓድ ቀዋሚ ነባርነት ምስረኸቡ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ስለዝቕየሩ እዩ። ሚኒስተር ዜግነት Alan Tudge ከምዝገልጾ እቶም በዚ ቪዛ ዝኣትዉ ሰባት ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ንኽሰርሑ ዘፍቅድ ቪዛ እንተረኺቦም መንግስቲ እቶም መጻኣቲ ኣብ ገጠራት ኣውስትራሊያ ክነብሩ ንምርግጋጽ መገዲ ክደሊ ክጅምር እዩ።