“ንሓብተይ ሚርያም ዝረኣየ እንተሎ ሓብትኺ ትጽበየኪ እያ ዘላ በሉለይ። እንተሞይታ ድማ ኣቦኣን ኣዲኣን ይቀበልዋ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ።” ልያ ሓጎስ

ሚርያም ሓጎስ ምስ ልያ ሓጎስ
ተጋዳሊት ምርያም ሓጎስ ሓንቲ ካብቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ብዘይ ክሲን ፍርዲን ዝተኣስሩ ገዳይም ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን እያ። ንሳ ን20ዓመታት ንናጽነት ኤርትራ ተጋዲላ፡ ድሕሪ 10 ዓመታት ናጽነት ናይ ኤርትራ ምስተኣስረት ዛጊት ደሃይ ዘይብላ ዜጋ እያ። ምስ ሓፍታ ወ/ሮ ልያ ሓጎስን ዶ/ር ሳባ ተስፋህይወትን ብዛዕባ ሊያን ካልኦት እሱራትን ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ጻንሒት ዳግም ናባኹም ነብሎ።
Share