“ጓለይ ኣብ ልዩ ሃይል ኔራ እናበሉ ስማ ተጥፍኡ ሰባት እንተትዕገሱ ምሐሸ፡ ተዛሪቦም ዘምጽእዎ የለን ግን ይሕስዉ’ዮም ዘለዉ።”

Source: SM
ነባሪት ተምቤን፡ ሞናሊዛ ኣብርሃ ኣብ 4 ታሕሳስ ከም ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ትግራይ ግዳይ ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት እያ። ኣብ መቐለ ተዓቑባትሉ ካብዘላ ሆስፒታል ን ኣልጀዚራ ኣብዝሃበቶ ቓል፡ “ወተሃደራት ኪዕምጹኒ ፈቲኖም ፡ ናብ ምድሪ ተደርብየ ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኬፈራርሃኒ ኢሉ ጠያይት ተኩሱ ፣ ኢደይ ሃሪሞም ካልእ ጥይት ብምትኳስ ፡ እታ ጥይት ብቕልጽመይ ሓሊፋ።” ክትብል ገሊጻ። በዚ ምኽንያት ኢዳ ተቖሪጹ፡ እግራ ተሃሪሙ ናብ መቐለ ተወሲዳ። ብድሕርዚ ፍጻመ ነባሪ ከተማ መልበርን ዝኾነ ኣቦኣ ኣቶ ኣብርሃ ኣሰፋ፡ ንሓደ ናይ ዩቱብ ብጌጋ ዝሃቦ ናይ ዕለት ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባርን ዕጥቕቲ ከምዝነበረትን ኣብ ኲናት ከምዝተሃርመትን ተጌሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወረታት ክዝርጋሕ ጸኒሑ። እዚ ጉዳይ ከብርሃልናን ኲነታት ሞናሊሳ ንምፍላጥን ሓቲትናዮ ኣለና።
Share