ኣብ ኣውስትራልያ፣ ቓዛን መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ጾመ ረመዳን የኽብሩ

Sehri meal preparations during Ramadan in Peshawar

People eat pre-dawn meals (Sehri) at a restaurant during the fasting month of Ramadan in Peshawar, Pakistan, 19 February 2026. EPA/ARSHAD ARBAB Source: EPA / ARSHAD ARBAB/EPA

ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ኣትዩ ኣመንቲ ምስልምና መላእ ዓለም ገለ መዓልታት ጾምን ስዕረትን ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣዳራሻት ቤት ንግድታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጽሪ ጸወምቲ ንምእንጋድ መዓጹአን ነዊሕ ሰዓታት ክሳብ ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይን ሰዓታት ወጋሕታን ይኸፍታ’ለዋ።


Listen to Australian and world news, and follow trending topics with SBS News Podcasts.

TRANSCRIPT:

ኣመንቲ ምስልምና ካብ መላእ ዓለም ምጅማር ረመዳን ኣበሲሮም ኣለዉ።

ኣብ ቓዛ ሲቲ ነበርቲ ኣብ ናይ ዓመታት ኲናት ብኸፊል ዕንወት ንዝወረዶም ንኣሽቱ ክፋላት መሳጊድ ዳግማይ ክሃንጹ ይፍትኑ’ለዉ።

ኣካያዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ሃይማኖት፣ ኣሚር ዓብዱ ኣል-ዓምረይን፣ ኣማኢት ዝኾኑ ግዝያዊ ወይ መጻንሒ መስገዲ ቦታታት ይስርሑ’ለዉ ይብል።

"ነጻ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም፣ ነቶም ዝጽገሙ ወሲኽካ፣ መሳጊዶም ዳግማይ ክሃንጹ ኣበርክቶ ይገብሩ’ለዉ። ኣርባዕተ ሚእትን ሳላሳ መስገዲ ቦታታት ዛጊት ተሃኒጾም ኣለዉ፣ ገሊኦም ካብ ቤተ መርመራታት (ግሪንሃውስስ) ዝተረኽቡ ጎማታት፣ ገሊኦም ካብ ዕንጸይቲ ተጠቒሞም፣ ገሊኦም ምስ መሸፈኒ ዝተሰርሑ ዘለውዎም።”

ረመዳን ብጾም ወይ ብምጻም ዝልለ እዋን’ዩ።

እዚ ማለት ኣብ ግዜ ብርሃን መዓልቲ ነዊሕ 14 ሰዓታት መግቢ ከይበላዕካ ወይ ዝስተ ከይለኸፍካ ዝጽናሓሉ ማለት’ዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ቓዛ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ኣብ መላእ’ቲ ወሽመጥ ኣብ ማእከላት መዐደሊ ረዲኤት ንነበርቲ መግቢ ዘቕርቡሎም ሰዓታት የጠዓዕምዎም ኣለዉ።

ኣፈኛ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጃሪክ እዚ ስጉምቲ ክብሪ ንምሃብን ኣብ’ዚ ነበርቲ ሕጂ’ውን ውሕስነት ደሕነት ዘይብሎም እዋን ቀረብ ከምዘለዎም ንምርግጋጽን’ዩ ይብል።

"ንሕናን ኣብ ውሕስነት መግቢ ዝሰርሑ መሻርኽትናን ኣብ ግዜ ረመዳን ምስ ሰዓታት ኢፍጣር ብዝሓሸ ክገጥሙ መታን ንዕድለሎም ሰዓታት ቀያይርናዮም ኣለና። እዚ ድማ ልዕሊ መጠን ምጭቕጫቕ ንምውጋድ’ዩ፣ ብፍላይ ድማ ቀቅድሚ መግቢ ኢፍጣር። እዚኦም ስጉምቲታት ንብዕድመ ዝደፍኡ፣ ስንክልና ዘለዎምን ስድራቤታት ዝኣልያ ደቀንስትዮን ቀረብ ከምዝህልዎም ወይ ከምዝረኽቡ ንምርግጋጽ ዝዓለመ’ዩ።”

ኣብ ስዑዲ ዓረብያ፣ ቀዳማይ መዓልቲ ረመዳን - ኢፍጣር - ዕሙር ኩነታት ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ወይ ቢዝነስ ይፈጥሩ።

ሰብ ንግዲ ኣብ ሪያድ ብሓደስቲ ፍርያታት፣ ምህርታትን ተምርታትን ጥቕጥቕ ኢሎም ይመልኡ፣ ወናኒ ንግዲ ፍሩታታት ዝኾነ ሳልሕ ኣልኣሕማሪ፣ ጠለብ ንተምርታት ኣብ’ዚ ግዜ ብዕጽፊ’ዩ ዝውስኽ ይብል።

"እቲ ዕዳጋ በብዓመቱ ሓደ ዓይነት’ዩ፣ ጠለብ’ውን ከምኡ። ኣልሓምዱ ሊላህ! ጽቡቕ ዕዳጋ’ዩ። ኣብ ዕዳጋታት ተምሪ ከም ልምዲ ኣብ ግዜ ረመዳን ዝያዳ ንጥፈት ይበዝሖ፣ ምኽንያቱ ተምሪታት ኣገደስቲ ኣካል መግቢ ኢፍጣር ኣብ ረመዳን ስለዝኾኑ።"

ኣብ ሓጋይ ኣውስትራልያ፣ ረመዳን ንብዙሓት ቤት መግብታትን ቤት ሻሂ/ካፌታትን ድሕሪ ጸላም ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ስራሕን ዕዳጋታትን ዝበዝሓሎም እዋናት ናይ ሓደ ዓመት’ዮም።

ከምዚኦም ንግድታት ኣብ መልበርን ካብ ዝውንኑ ዝኾነ መሓመድ ሳጂድ ንከም’ዚኦም ዓበይቲ ሰሙናት ይዳሎ’ሎ።

"ኣዝዩ በዳሂ’ዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ’ቶም ንቡር እዋናት ዓማዊል ይመጹ ይኸዱ። ኣብ’ዚ ግዜ ግን ኩሎም’ዞም ሰባትን ቀዲሞም ቦታ ሓዘልና ዝብሉኻን - 200 ሰባት ቦታ ዝሓዝኡ፣ ኩሎም ኣብ ሓደ እዋን’ዮም ዝመጹ፣ ክነአንግዶምን ክንከታተሎምን ኣለና፣ ኩሉ ሰብ ነናቱ ዝኣዘዞ መግቢ ከምዝረኸበ ከነረጋግጽ፣ ምድንጓያት ዘይብሉን ከምኡ’ውን ንኹሎም እኹል መግቢ ክህሉን።"

ንማሕበረሰብ ኣውስትራልያውያን ደቡብ ኤስያውያን፣ እቲ ጾም ዝጀመረሉ ሓሙስ ኔሩ - ቀዳማይ መዓልቲ ኢፍጣር ወርሒ ንፈለማ ግዜ ምስ ተራእየትሉ ማለት’ዩ።

ኣንም ማሱም ኣብ ላኬምባ፣ ስድራቤታታት ኣመንቲ ምስልምና ብብዝሒ ዝነብርሉ ከባቢ ምዕራብ ከተማ ሲድኒ፣ ሓደ ቤት መግቢ ትውንን።

ንኤስቢኤስ ቋንቋ ባንግላ ከም ዝሓበረቶ እቲ ቤት መግባ ኣብ እዋን ረመዳን ኩሉ ለይቲ ክፉት ክፉት ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።

"4:30 to 5 ንግሆ፣ ምኽንያቱ ናይ ሲሕሪ/ሽሑር ኢልና ንጽውዖ ቅድሚ ጸሓይ ብራቕ ንምገቦ፣ እቲ መግብታትና ክንውድኦ ኣለና። ስለ’ዚ ነዚ ምኽንያት ኢልና ኣብ’ዞም ፍሉያት ሰዓታት ንግዲ ክንከፍትን ክንዓጹን ኣለና።"

ናይ ኣዕራብን ደቡብ ኤስያን ቤት መግብታት፣ ከቢድ ግዜ ምህላዉ ብዘየገድስ ብሓፈሽኡ ቁጽርታት ምስ ምብዝሖም፣ ብፍላይ ነዞም ዝተረፉ መዓልታት ረመዳን ብጣዕሚ ስራሕ ክበዝሖምን ክሃልኩን’ዮም።

ሚስተር ሳጂድ ይብል ስድራቤታት እስላም ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ነዊሕ መዓልቲ ኣፈልጓሞም ክፈትሑ ብሓባር ስለዝእከቡ’ዩ።

"ልክዕ ከም ፌስታታት ልደት’ዩ፣ መሓዙት ኣዕሩኽና፣ ኣዝማድና፣ ንድራር፣ ንፌስታ፣ ምዝንጋዕ ስራሕ፣ ኢልና ንዕድሞም። ስለ’ዚ ምስ ከም’ዚኦም ዓይነት ውራያት ዳርጋ ዝመሳሰል’ዩ።"

ዝለዓለ ሙፍቲ ኣውስትራልያ፣ ዶክተር ኢብራሂም ኣቡ መሓመድ፣ ኣመንቲ ኣብ መላእ’ቲ ወርሒ ዲሲፕሊንን ሓልዮትን ከርእዩ ተማሕጺኑ።

ዶክተር ኣቡ መሓመድ ይብል ምጻም ካብ መግብን መስተን ምሕራም ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነን።

ነብሰ-ምግታእ፣ ስነምግባራዊ ባህሪይን መጠኑ ዝሓለፈ ኩሉ ምውጋድን’ውን የካትት ድሕሪ ምባል ንረመዳን ንመንፈሳዊ ዕቤትን ዳግማይ ምጥንኻር ክብርታት ሰላም፣ ምክብባርን ሓቢርካ ምንባርን’ዩ ክብል ይገልጾ። 

"ቅድሚ ብዛዕባ እስልምና ምዝራብ፣ ተግባራትና ንክብርታቱ ከንጸባርቑ ኣለዎም። እቲ እምነት ዝምህረና ጎዳኢ ነገር ካብ መንገዲ ምልጋስ ወይ ምእላይ’ውን ሓደ ግብረሰናያዊ ተግባር’ዩ፣ ሰናይ ዝኾነ ከነስፍሖን ኣብ ኩሉ ዝከኣለና ጉድኣት ክንቅንስን መዘኻኸሪ’ዩ።"

እዚ ቅዱስ ወርሒ ብዒድ’ዩ ዝዛዘም - ሚልዮናት ኣመንቲ ምስልምና ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ሽሻያት ብምቁዳስን ካብ ልቦም ብምጽንባልን ጾሞም ዝፈትሑሉ ክኸውን’ዩ።


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now