ጋንታታት ኤውሮጳ ኣፍሪቃውያን ተጻወተን ናብ ሃገራውያን ጋንታታቶም ክጽንበሩ ብእዋኑ ዘይምፍናወን ይንቀፋ፣ ናትናኤል ብርሃነ ሓዳስ ጋንታ የናዲ

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/01/2022) * ኣብ ከተማታት ባርሴሎናን ማድሪድን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ እግሪ መንገዲ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ብደረጃ ዙር ዓለም ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ውዕላት ንምንዳይ ዘካይድዎም ንጥፈታት ናብ 2022 ሰጊሮምሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን ናትናኤል ብርሃነ ዝርከቦም ክሳብ 30 ዝኾኑ ገና ምስ ዝኾነት ጋንታ ውዕል ከምዘይረኸቡ ተጸብጺቡ፡ * ሰንበት ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝጅምር መበል 33 ግጥማት ኩ’እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2021 ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ኣብ’ቲ ሃገር ዝበጽሐት ጋንታ ብምዃን ምድላዋታ ትቕጽል፡ ኣንጻር ሱዳን ምሕዝነታዊ ግጥም ኣካይዳ 3-2 ተዓዊታ፡ * ዝሓለፈ ሰሙን ንሃገራቶም ወኪሎም ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካሜሩን 2021 ክሳተፉ ካብ ጋንታታቶም ነናብ ሃገሮም ክፋነው ዝግብኦም ተጻወቲ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ክጸንሑ ድሕሪ ምስምምዖም ገለ ሃገራት እተን ጋንታታት ይኽልክልኦም ኣለዋ ክብላ ይኸሳ
Share