ኣጸጋሚ ግና ዕሽሽ ዘይበሃል ጉዳይ፡ ዓቢ ለውጢ ኣብ NDIS ንምጉዳል ተሳተፍቲን ንመጠፋፋእቲ ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ።

NDIS COMPOSITE

AAP Image/Susie Dodds NO ARCHIVING Source: AAP / Susie Dodds/AAPIMAGE

ሚኒስተር ጥዕና ማርክ በትለር ፡ መንግስቲ ን ሃገራዊ ማዕከን መድሕን ስንኩላን ወይ NDIS ወጻኢታት ንምንካይ ፡ ከም ኣካል ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ነቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዘጽብቦ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ መጠን ዕብየት ናይ NDIS በብዓመቱ ካብ 5 ክሳብ 6 ሚኢታዊ ክንኪ እዩ ዝደሊ ዘሎ ። ሚስተር በትለር ኣብ ሃገራዊ ክለብ ፕረስ ቀሪቡ NDIS ጀመረ ከቢድን ነባርን ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ንምድጋፍ ከምዝኾነ እንተኾነ ግን ስፍሓቱ ንብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ብዙሕ ሓገዝ ንዘየድልዮም ሰባት ንምሽፋን ኣዝዩ ሰፊሑ ኣሎ ኢሉ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ፕሮግራም ካብ ምጥፍፋእን ብዙሕ ወጻኢታትን ከድሕኖ ከምዝደሊ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ተጣበቕቲ ስንክልና ንገለ መዳያት ናይ ተሃድሶ ለውጢ ክቕበሉ ከለዉ: እቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣድላዪ ደገፍ ኸይረኽቡ ከይተርፉ ብምስጋእ: ኣብ ከባቢ ምጽራይ ተመስርሕ ንጹር ክኸውን ኣለዎ ይብሉ ።


ኣጸጋሚግን ከኣ፡ሸለል ክበሃል ዘይከኣል እዩ ።

ሚኒስተር ጥዕና ማርክ በትለር ብዛዕባ እቲ ማዕከን ሃገራዊ መድሕን ስንክልና ዝምልከት እተዳለወ ተሃድሶ እዩ ብኸምዚ ገሊጽዎ ዘሎ: -

መንግስቲ ፡ ነቲ ነዚ ኣገልግሎት ዝረኽቡ መጻረዪ ብምጽባብ፡ ፋይናንሲያዊ ደገፍ ንምጉዳል ነቶም ዘይግቡእ ኣሰራርሓ ዝሰርሑ ዒላማ ብምግባር ነቲ ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ማዕከን ወጻኢታት ንምጉዳል ተስፋ ይገብር ።

ማርክ በትለር መጻኢ እቲ ማዕከን ኣብኡ ከም ዝምርኰስ ይገልጽ ።

[["ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዝኾነ  ናይ መንግስቲ ፕሮግራም ብምንጽጻር ናይ NDIS ወጻኢታቱ ኣዝዩ ብዙሕ ኮይኑ እዚ ወጻኢታት ብቕልጡፍ ይዓቢ ኣሎ ። ነዚ ቀጻልነት ዘለዎ ንምግባር ስጉምቲ እንተዘይወሲድና ፡ ኣብ መጻኢ ነቶም ብዙሕ ዘድልዮም ኣውስትራሊያውያን ደገፍ ኣይህልዎምን እዩ ። Ndis በዚ ሕጂ ዘለዎ መጠን እናወሰኸ ክኸይድ ዓቕሚ የብልናን ።."]]

ብ2013 ክጅምር ከሎ ናይ NDIS ፕሮግራም ኣብ መጀመርያ ክሳብ 400,000 ኣውስትራሊያዊያን ከምዝድግፍን ዓመታዊ 13.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘውጽእን እዩ ተመዲቡ ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 760,000 ተሳተፍቲ ናይ NDIS ብምንባሮም ፡ እቲ ወጻኢታት ኣብ ዓመት 50 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ ።

መንግስቲ ልዑል ምጽራይ ተጠቀምቲ ክገብር ኣለዎ ይብል ማርክ በትለር ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት ቁጽሪ ተሳተፍቲ ናብ 600,000 ንምውራድ ዓሊሙ ድማ ክሰርሕ እዩ ኢሉ ።

[["ሓደ ሰብ ኣብዚ መደብ ክጥቀም ኣብ ንመዓልታዊ መነባብሮኡ ዝጸሉ ናይ ምስራሕ ዓቕሙ ዓቢ ምጉዳል ምስዘርእይ  ኣብ ግምት ክኣቱ እዩ ። ብተወሳኺ ነቲ ተሳታፊ ኣብ ምርመራ ጥራይ ተመርኲሱ ዝውስን ክኸውን ኣይክእልን እዩ ። እዚ ‘access lists’' ተባሒሉ ዝጽዋዕ ነቲ መደብ ብዙሕ ከኽፍሎ ጸኒሑ ኣሎ ።  ኣብ ክንዳኡስ ፡ እቲ 'ኣፍ ደገ መእጠዊ መርመራ "ንሰባት ናብቲ ፈጺሙ ዘይተዳለወሎም ደገፍ ከም ዝኣትዉ ገይርዎም እዩ."]]

ናይ People with Disability Australia ፕረሲደንት ጀረሚ ሆፕ ከምዝብሎ በቲ ተጠቒሱሉ ቑጽሪታት ነቶም 160,000 ተሳተፍቲ ናይ ደገፍ ዕድል ክስእኑ ዝኽእሉ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብዙሕ መብርሂ ኣይተዋህበሎምን ።

[["ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ነይሩ ። ኣብ ከባቢ ሚእታዊትን ዶላራትን  ብዙሕ መደረታት ኔሩ ። እንተኾነ ኣብ ከባቢ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ብዙሕ ዝርዝር የለን ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ኣካል ናይዚ ክንከውን ንደሊ ኢና ። ነቲ ውዲት ከመይ ጌርና ኢና ነባሪ ክንገብሮን ክንሰርሕን እንኽእል ? ከመይ ጌርና ኢና ሰባት ቀጻሊ ዝኾነ ቀረብን ውሕስነትን ክህልዎም ፡ ንኻልኦት ስንክልና ዘለዎም ሰባት እውን እንተኾነ ፡ እንታይ ኢና ክንብሎም ፡ ጽባሕ ካብ ዓራት ክወጹ ከለው ፡ ክሳብ ሕጂ ደገፍ ከም ዝህሉ ክሳብ ክንደይ ኢና መረጋገጺ ክንህብ ።."]]

ብመሰረት እቲ መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ገለ ክፋል እቲ ናይ ክሳራ ጸገም ፡ ኣብቲ መደብ ሰሊኹ ዝኣተወ ምጥፍፋእ ኣሎ።

ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣስታት 280,000 ናይ NDIS ኣገልግሎት ውሃብቲ ኣለው ፤ እንተኾነ ግን ብወለንታ ምዝገባ ክካየድ እንከሎ ከባቢ 6 ሚኢታዊት ጥራይ እዩም ብግቡእ ዝተመዝገቡን ንተቖጻጸርቲ ድማ ግሉጻት ዝኾኑ ።

ነዚ ንምምልካት ከኣ ፡ ወጻኢታት ንምክትታል እቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ፡ኣብ ዲጂታላዊ ስርዓት ክፍሊት ክምዝገቡ ፡ ናይ ግዴታ ምዝገባ ምድባት ድማ ክሰፍሕ ምዃኑ ሚስተር በትለር ይገልጽ ።

[["ኣብ ትሕቲ እቲ ጥምረት ዘቖሞ ናይ ዕዳጋ ኣሰራርሓ፡ ናይ NDIS ኣቕራቢ ካብ ምዃን ፡ ፍቓድ ዘለዎ ክለብ ንምርካብ ተወሳኺ ወረቐት መንነት የድልየካ ። እዚ ክቕየር እዩ ። ኩሉ ወሃቢ-ኣገልግሎት ምሉእ-ብምሉእ ክምዝገብ ኣየድልዮን ። ካብ ሓደ ፋርማሲ  ዝዕደግ ናይ ሸቐጥ ኣቕሑ ፡ ልክእ ከምቲ ንሓደ ተኣላዪ ሰብ ብቐረባ ኽንከከታተሎ እንርእዮ ፡ ክንቈጻጸሮ እውን ኣየድልየናን እዩ ። እንተዀነ ግን: ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ንጥፈታት ንምጥቃስ: ናይ ግሊ ክንክን: ዕለታዊ መነባብሮኻ ምድግጋፍ: ከምኡውን ኣብ ዕጹው ገዛውቲ ዝወሃብ ደገፋት: ናይ ግዴታ ምዝገባ ከነስፍሕ ኢና።"]]

ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ተጠባባቒት ሚኒስተር NDIS መሊሳ ማኪንቶሽ ምስ ሰልፊ ጥምረት ግቡእ ምምኽኻር ከምዘይተገብረ ትዛረብ ።

[["እቲ ሚኒስተር ነዚ ዓቢ ምልክታ እዚ ነቲ ዕቤት ብዘይ ኣፍልጦና ናብ 2 ሚእቲ ከም ዝንኪ ገይሩ ኣሎ ። ነዚ ንምትግባር ኣብ ውሽጢ ዉሑዳት ሰሙናት ብፓርላማ ኣቢሉ ከካይዶ እዩ ፡ ምስ ጥምረት ዋላሓንቲ ምምኽኻር ኣይገበረን ፡ ንሕና ምስ መንግስቲ ኮይና ክንሰርሕ ቃል ኣቲና ኢና ።."]]

ካብ ተሳተፍቲ ናይ NDIS ዝዓበየ ቁጽሪ ዘለዎም ኦቲዝም ዘለዎም ህጻናት እዮም ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ሓድሽ 'Thriving Kids' ብዝበሃል ፕሮግራም ከፈትሖ ይደሊ እዩ ፡ እዚ ፕሮግራም እዚ ንገለ ካብ 8 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ዕብየት ኣእምሮ ዝድንጉዮም ወይ ኦቲዝም ዘለዎም ደገፍ ንምሃብ ተባሒሉ ዝተዳለወ እዩ ፡ እዚኦም ካብ ተጠቃምነት NDIS. ንምውጻእ እዩ።

ፈደራል መንግስቲ ነዚ ውጥናት እዚ ኣበርክቶ ክገብር እንከሎ ፡ መምሕድዳር ግዝኣታትን ተሪቶርዮታት ግን ኣበርክቶ ክገብሩ ትጽቢት ይግበር ።

ይኹን እምበር ፡ ኲንስላንድ ነቲ መደብ ምፍጻም ዝኣበየት ግዝኣት ኮይና ፣ ካልኦት ግዝኣታት ከኣ ነቲ ሓድሽ ለውጢ ክግበር ዝከኣል ኣገልግሎት ክሃንጻ ከም ዘይክእላ ይገልጻ ።

ኣብ ክንክን ዓበይቲ ( aged care) ዝግበር ናይ ክንክን ለውጥታት እውን ተነጊሩ እዩ ፣ መንግስቲ ነቲ እቶም ኣብ ገዛ ሓገዝ ዝረኽቡ ሰባት ክሊኒካዊ ንዘይኰነ ኣገልግሎት ኣብ ሰዓት 50 ዶላር ክኸፍሉ ዝሓትት ትእዛዝ ኣይድግፎን እዩ ።

ኣብቲ ኣብ ሕዳር እተገብረ ለውጥታት ፡ ገሊኦም ተቐበልቲ ኣገልግሎት ንመሰረታዊ ኣገልግሎታት ከም ምሕጻብን ክዳን ምኽዳንን ዝያዳ ክኸፍሉ ይግደዱ ነበሩ ።

ዋላኳ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣይግበርን እቲ ሓድሽ ለውጢ ድማ ክሳዕ ጥቅምቲ ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን እንተኾነ ፡ ናይ Ageing Australia ሓላፊ ቶም ስሞንድሰን እቲ ምጅማር ብጽቡቕ ይቕበሎ ።

[["ምሕጻብ ኣብዝግበረሉ ፡ ዓበይቲ ሰባት ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ፡ መሕጸቢ ሰብነትን መሰረታዊ ጽሬትን ኽስእኑ ክንርእዮም ስለ ዘይንደሊ ፡ ነዚ ፖሊሲ እዚ ኣጥቢቕና ክንሕዞ ከም ዘሎና ኢና እንገልጽ ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ከኣ ሰኣንዚ ክፍሊት ሰውነቶም ከየተሃጽቡ ክተርፉ ሪኢና ኣለና፡ ኣብ ሰሙን ዉሑድ ምሕጻብ ሰውነት ክገብሩ ርኢና ኢና ። ስለዚ ፡ ብናጻ ክንሕግዞም ጽቡቕ ውጽኢት እዩ."]]

 እቲ ናይ NDIS ሓድሽ ለውጢ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ።

ይኹን እምበር: ብምኽንያት ጕጅለታት ተጣበቕቲ ስንክልና ብዝረኸብዎ ተቐባልነት: እቲ ምጅማር ክሳዕ ሚያዝያ 2027 ክደናጐ እዩ ።

ማርክ በትለር ከምዝብሎ ኣብተን ዝቕጽላ ሒደት ኣዋርሕ ምስ መምሕድዳር ግዝኣታትን ተሪቶርይ ፣ ምስ ማሕበረሰብ ከምኡ 'ውን ምስ ኣማኻሪ ጕጅለታት ምምኻር ክግበር እዮ ።

ሚስተር በትለር ፡ ዓቢ ለውጢ እንተ ዘይተገይሩ እቲ ማዕከን ኢንሹራንስ ስንክልና ክህሉ ኣይክእልን እዩ ይብል፡

[["NDIS ኣብቲ ባጀት ክቱት ክከውን እዩ - እዚ ግን ካብ ባጀት ዝዓቢ እዩ ።  NDIS መግለጺ ሃገራዊ ክብርታትና እዩ ፡ እዚ ድማ ብመጠኑ ሃገራዊ መንነትና እዩ ። እዚ ምንጪ  ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ምድጋፍ ጥራይ ኣይኰነን ፣ ምንጪ ሓበን እዩ ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ኣጠፋፋኢ ኣቕራቢ ኣገልግሎት እዚ መደብ ክብላዕ ኣይንደልዮን። ናይ ነፍሲ ወከፍ  ከፋሊ ግብሪ ገንዘብ ኣብቲ ናይ ምትላል ስራሕ እዩ ዝባኽን ። ስለዚ ከኣ እዩ እዚ ለውጥታት እዚ ብዛዕባ እቲ ካብ ባጀት ዝርከብ ገንዘብ ጥራይ ዝግበር ኣይኰነን ። እዚ ብዛዕባ ነቲ NDIS ን ርእሱ ንምድሓን እዩ፣."]]


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now