ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ለካቲት 2025)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

ን ሎሚ 10 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዕደና ክቡራት መዓድናት ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ጊዝያዊ ምምሕዳር ወሲኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣኽሊል ዕምባባ ኣንቢሩ፡ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክርስቲና ጆርጅያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተግበሩ ቁጠባዊ ሪፎርም ንኢዳ። ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ግብጺ ፡ "ኣብ ጕዳይ ፍልስጤም ሓድሽ ዝዀነን ሓደገኛን ምዕባለታት" ንዚበለቶ ምንቅስቓስ ንምፍሻል ፡ ኣብ 27 ለካቲት ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ ከም እተአንግድ ኣፍሊጣ ። መራሒ ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድን ናይ ፈለማ ፕረዚደንት ናሚብያ ፡ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ ። ሊቨርፑል ኣብ ራብዓይ ዙር ዋንጫ ኤፍ ኤ ካፕ ፡ 1ብ0 ተሳዒራ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ለካቲት 2025) | SBS Tigrinya