ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሰነ 2023)

ኣርእስታት ዜና፥ ኣህጉራዊዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብእኹል መርትዖ ዘይተደገፈ እዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺግዎ። ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ግድብ ፈሪሱ ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣቝሻት ኣዕለቕሊቑ ወግእ-ሓድሕድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ንቑጠባ እታ ሃገር ብውሕዱ 3.4 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ኣስዒቡ ክኸውን ከምዝኽእል ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ነበር ተዛሪቡ። ኣመሓዳሪ ባንክ Reserve ኣውስትራሊያ መጠን ዝቕባበ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ ኣብ ናይ መወዳእታ መገዲ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ን 4 ደቃ ቀቲልኪ ተባሂላ ን 20 ዓመት ተኣሲራ ዝወጸት ካብ መንግስቲ ሚልዮናት ዶላራት ካሕሳ ክትሓትት ትኽእልያ ተባሂሉ።
Share