ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሓምለ 2024)

Source: SBS
ኣርእስታት ዜና፥ ጂ ባይደን ካብ ዉድድር ንፕረሲደንትነት ስሒቡ፡ ንምክትሉ ካሜላ ሃሪስ ክትትክኦ መዚዙ። ኣውስትራሊያ ምስቲ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባ ዝመጣጠን እኹል ኣባይቲ ኣይትሃንጽን ዘላ ተባሂሉ ። እስራኤል ፡ ካብ የመን ዝተወንጨፈ ሚሳይል ከምዘፍሸለቶ ገሊጻ ። ኣብዚ ረፍዲ ዝበዝሓ ማዕከናት ዓለምጎኒ ንጎኒ እቲ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ካብ ዉድር ምርጫ ምስሓቡ ታሪኻዊ ዓወት ብንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓብሊሉ ዘሎ ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዓወት ኣብ ዜናና ተንጸባሪቑ ኣሎ።
Share