ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

** ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኩለንተናዊ ስምምዕ ሰላም ክግበር እማመ ኣቕሪባ። ** ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ጥቓ ኣሊስ ስፕሪንግስ ዝጠፍአት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ። ** ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።


 እማመ ሰላም ቐጠር

ቀጠር ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንረብሓታት ኵለን ሃገራት እቲ ዞባ ፡ እንተላይ ንኢራናውያን ብዘርብሕ መገዲ ነቲ ውግእ ደው ከብሎ ከም እትደሊ ገሊጻ ።

እዚ ዝመጸ መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ  ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ብኢራን ዝፍጸም ዝአሎ መጥቃዕቲ ንምዝርራብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኣኸቡሉ እዋን እዩ ።

ኣመሪካ ፡ ነቲ ቴህራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምኽፋት ዝምልከት ዘቕረበቶ ናይ ቀረባ ግዜ ዕድል ትሓስበሉ ከም ዘላ ትገልጽ ፣ ኢራን ድማ ዋሽንግተን ዓብላሊ ተራ ክትጻወት ከም ዘይትኽእል ትገልጽ ።

                                                         

እስራኤል-ሊባኖስ 

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ ዝጥቀመሉ መትረብ ከም ዘዕነወቶ ገሊጹ ።

እዚ ዝተፈጸመ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ኣብዝተገብረሉ እዩ። ሕዝቦላህ ብወገኑ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ናይ ሮኬት ን ድሮን መጥቃዕትን ይገብር ኣሎ ።

 ዝጠፍ አት ቆሎዓ ራብዓይ መዓልታ ሒዛ

ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ጥቓ ኣሊስ ስፕሪንግስ ዝጠፍአት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጐርዞ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ።

ፖሊስ ፡ ሻሮን ግራነትስ ምርካብ ፡ 'ቀዳምነት ዝህብዎ "ምዃኖም ፡ ገና ብህይወት ከም ዘላ ድማ ይኣምኑ ።

ኣብ ቀረባ እዋን ፡ ጀፈርሰን ልዊስ ዝስሙ ወዲ 47 ዓመት ተኣሲሩ ዝነበረ'ሞ ዝተፈትሐ'ውን ይደልይዎ ኣለዉ ፣ ንሱ ንሳሮን ካብቲ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዝርከብ ሰፈር ከተማኣ ሒዝዋ ከምዝኸደ እዩ ዝእመን ፣ እቲ እሱር ዝነበረ ኣቐዲሙቭብኣልኮላዊ መስተ ተጸልዩ ነታ ንእሽቶ ጓል ብኢዳ ሒዙዋ ከምዝተራእየ ይፍለጥ።

                                                         

 ንጉስ ቻርለስ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ

  ንጉስ ቻርለስ ን ኔቶ ን ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ መደረ ን ዉድብ ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ማለት ኔይቶ ንኢዱ። ኣብ መንጎ እንግሊዝን ኣመሪካን ዘሎ ሽርክነት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ድማ ኢሉ ።

እቲ ንጉስ ፡ ድሕሪ ኣዲኡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ እቲ ካልኣይ ንጉስ ብሪጣንያ ጥራይ እዩ ንኮንግረስ ኣመሪካ መደረ ኣስሚዑ። ኣብ እዋን ምብጻሕ እቲ ንጉስ መበል 250 ዓመት ምጅማር ኣዋጅ ናጽነት ክዝከር እዩ ።

ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይቶ ኣብቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ግጭት ብዘይምስታፉ ብተደጋጋሚ ነቒፉዎ እዩ ፡ ካብኡ ሓሊፉ 'ውን ንኣሜሪካ ካብቲ ትካል ከይትስሕብ ስግኣት ፈጢሩ እዩ ።

                                                         

ባርዕ ሓዊ ኣብ ከአተማ ኣስመራ

ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሓደ ወዲ 36 ከምኡ'ውን ጓል 21 ዓመት ኣብቲ ብሰንበት 26 ሚያዝያ ዘጋጠመ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ።

ካብቲ ባርዕ ዝደሓኑ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብዝወረዶም ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ጠንቂ ናይቲ ኣብ "ምምሕዳር ከባቢ ሓሊበት" ዘጋጠመ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ሓላፊ ምክልኻል ገበን 6ይ መደበር ፖሊስ ኣቶ ክብርኣብ ገብረክርስቶስ ሓቢሩ።

"እቲ ሓደጋ ዝተኸስተ ከባቢ ሰዓት 12:30 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምዃን ብዝገበርዎ ርብርብ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ተኻኢሉ እዩ።

"እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ጽዑቕ ትኪ፡ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብምዕፋኖም ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወሲዶም ኣለዉ። እቶም ግዳያት ኣብዚ እዋን እዚ ኣድላዪ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ" ይብል እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ።

ሕብረተሰብ ምስ ሓዊ ዝተሓሓዝ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ዝተማሕጸኑ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ፡ "ተቓጻሊ ባህሪያት ዘለዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ምኽዛን ክቑጠብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።"

ኣብ ኤርትራ ባርዕ ሓዊ መንበሪ ሳሕቲ ዘጋጥም'ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ሓሓሊፉ ክርአ ጸኒሑ'ዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ 6ይ መደበር ፖሊስ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

                                                         


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now