SKIP TO MAIN CONTENT

ዜናታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢኡን (29 ጥቅምቲ 2018)

Horn Africa News
Source: AAP (SBS)

ኤርትራን ሱዳንን ዝምድናአን ክሕድሳ እየን ተባሂሉ። ኬንያ ኣብ ሃገራ ናይ ሞባይል ተለፎን ምፍራይ ክትጅምር እያ። ጀርመን ንኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምኽሳሳ፡ ኤርትራ ንጀርመን ኣጠንቂቓታ


Published

Updated

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ኤርትራን ሱዳንን ዝምድናአን ክሕድሳ እየን ተባሂሉ። ኬንያ ኣብ ሃገራ ናይ ሞባይል ተለፎን ምፍራይ ክትጅምር እያ። ጀርመን ንኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምኽሳሳ፡ ኤርትራ ንጀርመን ኣጠንቂቓታ


ኬንያ ኣብ ሃገራ ናይ ሞባይል ተለፎን ምፍራይ ክትጅምር እያ።

መንግስቲ ኬንያ ሞባይል ንምፍራይ ንመበገሲ ስራሕ ዝውዕል ሓደ ቢሊዮን ሽሊንግ ወይ $10 ሚሊዮን ዶላር ከምዝመደበ ተፈሊጡ። ናይ ሓበሬታን መራኸቢታት ተክኖሎጂ ሚኒስተር ጆ ሙቸሩ ከምዝገለጾ ዕላማ እቲ ስጉምቲ  ኣፍረይቲ ንምትብባዕ፥ ዝፈርዮ ሞባይላት ነቲ ናይ ኬንያ ዕዳጋ ዝሰማምዑ ብተወሳኺ ድማ ዋጋ ተለፎን ትሕት ዘብሉ ክኾኑ ንምግባር እዩ ኢሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ግብጺ ብግብጻዊ ኩባንያ  ዝኾነ SICO ዝፈሪ Nile X ዝተባህለ ስማርትፎን, መሪቑ ከፊቱ ነይሩ።

ኬንያ ሞባይል ከተፍሪ ዘወሰና ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ኩሉ ኩርናዓት እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ምጥቃም ሞባይል ፎን ናብ ረብሓ እታ ሃገር ንምውዓል ምዃኑ ኣፍሪካ ኳርቲዝ ገሊጹ። ብብዙሕ መገዲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቁጠባአን “ንሞባይል ቀዳምነት ምሃብ” ኣብ ዝብል መትከል እናተጸግዐ ይርከብ።  ከም ኣገላልጻ ሰብ መዚ ሓበሬታ ኬንያ ዳርጋ  98% ህዝቢ ኬንያ ተጠቃሚ ሞባይል እዩ።  እዚ ኣብ ኬንያ  እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምውናን ሞባይል ኣብ ኬንያ፡ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሓዋላ ገንዘብ እናወሰኸ እዩ ከይዱ።

እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምጥቃም ሞባይል ኣብ ኬንያ ከም ልቓሕ፡ ኤለክትሪክ፡ ኢንሹራንስን ካልኦት ኣገልግሎታት’ውን እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ፍጥነት ዕብየት ኣገልግሎት ሞባይል ኣብ ኬንያ ብ ፈጣን ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም ተደገፈውን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኬንያ ገምጋም ፍጥነት ኢንተርነት ምስ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2017 ክወዳደር’ከሎ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኣሎ።

 

ጀርመን ንኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምኽሳሳ፡ ኤርትራ ንጀርመን ኣጠንቂቓታ

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ኣይተመሓየሸን ብምባል መንግስቲ ጀርመን ከሲሱ። "ኣሽካዕላል መንግስቲ ጀርመን" ብምባል  ድማ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብመግለጺኡ ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ መግለጺ ናይ ኤርትራ፡ መንግስቲ በርሊን ኣብ ዞባዊ ጉዳይ ኢዱ ከየእቱ መንግስቲ ኤርትራ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ። እቲ ብቐዳም ብሚኒስትሪ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ከምዝሕብሮ ኣብዚ ወርሒ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሀኮ ማስ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ዘቖጥዕ እዩ ኢሉ።

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ተኸቲሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበር ብዙሕ ስራሓት ይግበር እኳ እንተሎ፡ ኣብ ኤርትራ ግና ነገገራት ከም ቀደሙ ምህላዉ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።

"ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ዛጊት ኣብ ኤርትራ ኣይተገብረን,"  ብምባል ሚስተር ማስ ንኣባልት ፓርላማ ድሕሪ ምግላጽ "ብኣንጻር’ዚ ኣብ ኤርትራ ስርዓት ዘለዎ ኣሳታፊ ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእል ስትራተጂ ዛጊት ዘመልክት ነገር ኣይተራእየን።" ኢሉ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ “ንሕብረተ ሰብ ኤርትራ ከም ቀንዲ መቆጻጸሪ ዝስርሓሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቕጽል ምግባሩ ብፍላይ ከምዘተሓሳስብ ገሊጹ።

ጀርመን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ብምዃን “ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መደምደምታ ንኽግበረሉ ንኤርትራ ንምትብባዕ” ከምዝሕግዙ ተዛሪቡ።  ሚስተር ማስ ብተወሳኺ ዝመጽእ ዓመት ጀርመን ኣብ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ወንበር ምስሓዘት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዕባለ ንምትብባዕ ጀርመን ከምዝሰርሕ ኣተምቢሁ።

ኤርትራ ነዚ ናይ ጀርመን ርእይቶ ብኸምዚ ዝስዕብ’ያ መልሲ ሂባትሉ፡ “እዚ ናይ ሎሚ፡ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ ዝቐርብ ዘሎ ተጻብኦ ኣንጻር ኤርትራ ናይ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተጻብኦ መንግስቲ ጀርመን ኣንጻር ኤርትራ እዩ።” ጀርመን ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢዳ ካብ ምእታው ክትቁጠብ እቲ ናይ ኤርትራ መግለጺ የተሓሳስብ።

 

ኤርትራን ሱዳንን ዝምድናአን ክሕድሳ እየን ተባሂሉ።

ኣብቲ ዞባ መጺኡ ብዘሎ ለውጢ ሱዳንን ኤርትራን ኣብዚ ቅሩብ እዋን ክልቲኤን ሃገራት ዝምድናኤን ናብ ንቡር ከምዝመልሳ፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካርቱም ዝተሓትመ ሪፖርት ጠቒሱ  ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።

ከምዝዝከር ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኤርትራ ንዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሱዳን ትድግፍያ፣ ኣሻሓት ወተሃደራታ ኣብ ዶብ ኣስፊራ ዶብ ዓጽያ ብዝብል ሱዳን ንኤርትራ ከሲሳታ ነይራ። ከም መልሰ ግብሪ ድማ , ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣስመራ ንሱዳን፡ ቀጠርን ኢትዮጵያን ንመንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ንምዕላው ሓቢረን ይሰርሓ ኣለዋ” ብምባል ከሲሳተን ነይራ።

እንተኾነ  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓምለ ናይ ሰላም ስምምዕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ከምቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማሊያን ዝነበረ ተጻብኦ ዘጽበቦ፡  ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ተመሳሳሊ ኩነታት ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ይጽዕር ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ኣል መግሃር ዝተባህለ ጋዜጣ ሱዳን ብሰንበት ከምዝጸብጸቦ፡ ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ተሓጋጋዚ ፕረሲደንት ሱዳን  ፈይሰል ሓሳን ኢብራሂም ኣስመራ ክበጽሕ እዩ። ድሕሪ ምብጻሕ ናይቲ በዓል መዚ ስዒቡ፣  ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሺር ምስ መዘናኡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ክራኸብ እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ።

እዚ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ ዝጸዓር፡ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ብዞባዊ ጻዕሪ መፍትሒ ድሕሪ ምርካቡ እዩ።

እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ጥቡቕ ዕርክነት ብዘለዎም ሱዳናዊያን ብውሽጢ ዉሽጢ ጻዕሪታት ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።  እቶም ዝተባህሉ ስሞም እኳ እንተዘይተጠቕሱ፡ ተሓጋጋዚ ፕረሲደንት ሱዳን ዝኾነን መራሒ በጃ ኮንግረስ  ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ተረኺቡ ክልተኣዊ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዘተ ከምዘሎን ሰሉስ ናብ ሃገሩ ከምዝምለስን እቲ ጋዜጣ ገሊጹ።

Musa መራሒ ናይ ዕጡቓት ግምባር ምብራቕ ሱዳን ኮይኑ ኣብቲ  ብጥቅምቲ 2006 ነቲ ዑጡቕን መንግስቲ ሱዳንን  ኤርትራ ዝሸምገለቶ ዕርቂ ነቲ ዕጡቕ ወኪሉ ኣብ ኣስመራ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝፈረመ እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ናይ  IGAD ባይቶ ሚንስተራት ኣብዝገበሮ ዘተ ኣብ መንጎ ጂቡቲን ኤርትራን ከም ኡውን ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክፍታሕ ጻዕሪ ክግበር ተረዳዲኡ ነይሩ እዩ።  

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now