ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ሰነ 2023)

World - Tigrinya.jpg

ናይ ሎሚ ሰኑይ 12 ሰነ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ባህርዳር ድሕሪ ኲናት ንፈለማ እዋን ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ሪፈራል ሆስፒታል ኦሮታ፡ መጥባሕቲ ልቢ ተጀሚሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት ፖለቲካዊ ፀቕጢ ይግበረሉ ከም ዘሎ ገሊጹ። ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ መቐለ ቤትምህርቲ ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሩ። ሎሚ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ፡ ባህላዊን ኣገደስቲ ጽሑፋት ነቕርበሉን ሙዚቃ ነስምዓሉ መዓልቲዩ። በዚ መሰረት ድማ ሎሚ ኣብ መደብ ባህላዊን ኣገደስቲ ዛዕባታትን፡ "ገንዘብን ልቓሕን" ብ ኣማኑኤል ሳህለ ከምኡ'ውን ግጥሚ "ሳላ ዕስራ ቕርሺ" ብ በየነ ሃይለማርያም ቀሪብና ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ ምሸት ትህዝቶና እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ካርቱም [ካር-ቶም] ን24 ሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባሉ ፡ ኲናት ዳግም ቀጺሉ ። ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝርከብ ሃንተር ባሊ ድሕሪ ዘጋጠመ ናይ ኣውቶቡስ ሓደጋ ዓሰርተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ ። ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት ፖለቲካዊ ፀቕጢ ይግበረሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service