ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ሰነ 2023)

ናይ ሎሚ ሰኑይ 12 ሰነ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ባህርዳር ድሕሪ ኲናት ንፈለማ እዋን ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ሪፈራል ሆስፒታል ኦሮታ፡ መጥባሕቲ ልቢ ተጀሚሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት ፖለቲካዊ ፀቕጢ ይግበረሉ ከም ዘሎ ገሊጹ። ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ መቐለ ቤትምህርቲ ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሩ። ሎሚ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ፡ ባህላዊን ኣገደስቲ ጽሑፋት ነቕርበሉን ሙዚቃ ነስምዓሉ መዓልቲዩ። በዚ መሰረት ድማ ሎሚ ኣብ መደብ ባህላዊን ኣገደስቲ ዛዕባታትን፡ "ገንዘብን ልቓሕን" ብ ኣማኑኤል ሳህለ ከምኡ'ውን ግጥሚ "ሳላ ዕስራ ቕርሺ" ብ በየነ ሃይለማርያም ቀሪብና ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ ምሸት ትህዝቶና እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ካርቱም [ካር-ቶም] ን24 ሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባሉ ፡ ኲናት ዳግም ቀጺሉ ። ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝርከብ ሃንተር ባሊ ድሕሪ ዘጋጠመ ናይ ኣውቶቡስ ሓደጋ ዓሰርተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ ። ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት ፖለቲካዊ ፀቕጢ ይግበረሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።
Share