ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ግንቦት 2024)

Source: SBS
ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ዝርከብ ካውንስል ፡ ብዛዕባ ሓደ ጾታ ዘለዎም ወለዲ ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ መጽሓፍ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ኣጊዱ። በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ (ECTA) ካብ 8 ሓምለ 2023 ዝጀመረ ናይ ሎሚ በጀት ዓመት ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሰደድ ናይ 835.2 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ገይሩ። ሰራዊት እስራኤል ንኣፍደገ ራፋሕ ቓዛ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።
Share