ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (14 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya Homeland Report

Credit: Timon Reinhard/Unsplash

** ኣብ ተሂራን ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ኣመሪካ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ምዕጻው መጻብቦ ሀርሙዝ ንምቅዋም ወጺኦም። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይበጽሑ ኣለዉ ።... ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ብሰንኪ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ብዝተሓሓዝ፡ ቀረብ ነዳዲ ንምምላእ ሎሚ [ሰሉስ] ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ይጐዓዝ ኣሎ ።


ተቓዉሞ ኣብ ተሂራን

 ኣብ ቴህራን [13-14 ሚያዝያ] ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቓወምቲ ፡ ነቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝኣትዋ ወይ ካብ ወደባት ኢራን ዝወጻ መራኽብ ዝዓግታኦ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ተኣኪቦም ኣለዉ ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ ሃገራት ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ጕዕዞ ናጽነት ከኽብራ ጸዊዑ ኣሎ ፣ ዝርርብ ሰላም እውን ክቕጽል ተላብዩ ።

                                                          

 ዝርርብ እስራኤልን ሊባኖስን

 ወሃብ ቃል መንግስቲ እስራኤል ሾሽ በድሮሽያን ፡ እቲ እስራኤል ምስ ሊባኖስ እተካይዶ ዝርርብ ፡  ሕዝቦላህ ኣጽዋሩ ከራግፍን  ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላማዊ ርክብ ኣብ ምምስራትን ዘተኰረ ከም ዝኸውን ይገልጽ ።

ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘይገብራ ሊባኖስን እስራኤልን ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት [ኣብ 14 ሚያዝያ] ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ቀጥታዊ ዘተ ክጅምራ እየን ።

ሰራዊት እስራኤል ፡ ሰራዊቱ ነታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እትርከብ ቢን ጂቢል እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኸበባ ክገልጽ ከሎ ፡ ሕዝቦላህ ድማ ኣብ ልዕሊ "ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓይልታት እስራኤል መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ይገልጽ ።

                                                         

 ቀ/ሚ ኣልበኔዝ ጉዕዞ ብዛዕባ ነዳዲ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ብሰንኪ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ብዝተሓሓዝ፡ ቀረብ ነዳዲ ንምምላእ ሎሚ [ሰሉስ] ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ይጐዓዝ ኣሎ ።

ናብ ማለዥያ ቅድሚ ምኻዱ ፡ ምስ ናይ ብሩኒ ሱልጣን ሓጂ ሓሰንኣል ቦልክያ ክራኸብ እዩ ፣ ብድሕርዚ ናብ ማለዢያ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዳቶ 'ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ክዘራረብ እዩ ።

ክልቲአን ሃገራት ንኣውስትራሊያ ኣገዳሲ ዝኾነ ነዳድን መዳበርያን ዘርባ እየን።

እቲ ሚስተር ኣልባነሰ ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጕዕዞ ፡ልክዕ ከምቲ  ኣብ ሲንጋፖር ዝገበሮ ተመሳሳሊ ምብጻሕ እዩ  ።

ኲናት ማእከላይ ምብራቕን ክሳራ ሕብረት ኣውሮጳን

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ካብ ዘካይዳ ንነጀው ፡ እቲ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ምትእኽኻብ ናይ ነዳዲ ዝከፍሎ ዋጋ ብልዕሊ $25 ቢልዮን ኢሮ  ከም ዝወሰኸን ፡ገና እቲ ሕሳብ እናወሰኸ ከም ዝኸይድን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡሩሱላ ቮን ደር ለየን [[ላዮን] ንመንግስትታት ኣውሮጳ ፡ ኣብ ዕዳጋ ጸቕጢ ምእንቲ ኸየጋጥሞም ፡ ነቲ ናይ ነዳዲ መኽዘን ክጥቀሙሉን ባህርያዊ ጋዝ ዚኽዝኑሉን መገዲ ኺምድቡ ሚዒዳ ።

ሰነዳት ሃንጋሪ በቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መንግስቲ ይቐዳደድ

 ን ሃንጋሪ ክመርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ፡ ፒተር ማግያር ፡ እቲ ተስዒሩ ዘሎ መንግስቲ ነቲ እገዳ ዝምልከት ኣገዳሲ ሰነዳት ይቐዶ ኣሎ ክብል ክሲሱ ።

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ግጭት ብዝምልከት ፖሊሲ ምቕያር ሓደ ካብቲ ሚስተር ማጋር ዘተስፍዎ ዘለዉ ለውጥታት ኮይኑ ፡

ምብጻሕ ሊቀ ጳጳስ ሊዮ መበል 14 ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ንፈለማ ግዜ ብጳጳስ ናብ ኣልጀርያ ይበጽሑ ኣለዉ ።

ብመሰረት ስታቲስቲክስ ቫቲካን ፡ ልዕሊ 20 ካብ ሚእቲ ካቶሊካውያን ኣብ ኣፍሪቃ እዮም ዝነብሩ ።

ሊዮ ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት - ኣልጀርያ ፡ ካሜሩን ፡ ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ክበጽሑ እዮም ።

እቶም ሊቀ ጳጳስ ፡ ንዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝኾነኑ ኮይኖም፡ እዚ ብዘመናውያን ገዛእቲ ዓለም neocolonial  ይፍጸም ኣሎ ብምባል ብትሪ ነቒፎም ።

ኣብ መንጐ እቶም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለምን ፕረዚደንት ኣመሪካን ናይ ቃላት ኲናት ክግበር ቀኒዩ ኣሎ።

ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ደርበይቲ ቦምባታት" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን ዝብል ነቐፌታ ምስ ኣቕረቡ፡ እቲ ርእይቶ ንዶናልድ ትራምፕ ኣቖቲዕዎ፡  እቲ ፕረዚደንት በቲ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ትሩዝ ሶሻል' "ኣብ ክንዲ ፖለቲከኛ፡ ዓቢይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኩኑ" ብምባል ወቒስዎም።

እቶም መንፈሳዊ መራሒ ኣብ ጉዳይ "ገበን ድኹም" እዮም ዝበለ ትራምፕ፡ "ጸግዒ ሕሉፋት ጸጋማውያን" ኣለዎም ክብል ወቒሱ።

"ኣነ ኣብ ዋይት ሃውስ [ከም ፕረዚደንት] እንተዘይህሉ፡ ሊዮ ኣብ ቫቲካን ኣይምሃለወን"።

ኣቡነ ሊዮ መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገሽሉ ዝነበሩ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ'ውን ንግብረመልሲ ትራምፕ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ።

"ብዛዕባ መልእኽቲ ወንጌል ዓው ኢለ ንምዝራብ ወይ ንምምሕዳር ትራምፕ ኣይፈርሕን እየ" ክብሉ ንሰላም ዘለዎም መርገጺ ደጊሞም ኣነጺሮም።

                                                         

 


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now