"ካልኣይ ዙር ዝርርብ ኣመሪካ ኢራን ኣብ ፓኪስታን ክግበር ይኽእል'ዩ።" ፕ/ትራምፕ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (15 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ወተህደራዊ መፍትሒ የብሉን ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ፣ ** ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ... ** ጋንታታት ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ኣትለቲኮ ማድሪድን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮን ሊግ ሓሊፈን።


 ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕን

 ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እቲ ቅልውላው ወተሃደራዊ ፍታሕ የብሉን ብምባል ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ንቡር ንኽምለስ ዕቱብ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ ።

ብዘይካ'ዚ ፡ ኣህጉራዊ ናጽነት ጕዕዞ ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከቡ ኵሎም ወገናት ከኽብርዎ ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድማ ክቕጽል ጸዊዑ ።

ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝሃለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ኢስላማባድ ዝርርብ እኳ እንተካየዱ ፡ ኣብ ስምምዕ ግን ኣይበጽሑን ።

ናይ ዩ-ስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቕጽላ ክልተ መዓልታት ኣብ ፓኪስታን ካልኣይ ዙር ዝርርብ ኢራን ክፍጸም ይኽእል እዩ ይብል ።

 ዘተ እስራኤል ሊባኖስ 

ናይ እስራኤል ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ የክኤል ለይተር መንግስቲ ሊባኖስ ኣብቲ ብኣመሪካ ዝተገብረ ዝርርብ ካብ ሕጂ ንደሓር ሊባኖስ ኣብ ትሕቲ ሕዝቦላህ ክትኣትዉ ከም ዘይደልዩ ንጹር ጌርሞ ኣለዉ ክብል ገሊጹ ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ቀጥታዊ ዝርርብ እስራኤል-ሊባኖስ ዘአንገደ ኮይኑ: ክልቲኦም ወገናት ከኣ እቲ ምይይጥ ኣወንታዊ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጹ ብዛዕባ'ቲ  ዘውጽእዎ መቓን ሰላም ከምዝተሰማምዑ ግን ኣየፍለጡን ።

ክልቲአን ሃገራት ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዛዕባ ሒዘን እየን ቀሪበን ። ሊባኖስ ፡ ተኹሲ ደው ክብልን ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ክምለሱን ንሰብኣዊ ቅልውላው እፎይታ ክረኽቡን ጸዊዓ ኣላ ።

እስራኤል ድማ ኣብ ሊባኖስ ተዅሲ ደው ምባል ኣይተቐበለቶን፡ ኢራን ንህዝቦላህ ዕጥቁ ክፈትሕ ክትገብር'ውን ጠለብ ኣቕሪባ ።

ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ይውስኽ

ዋጋ ምክራይ ገዛ  ኣብ ኣውስትራሊያ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ  እዋናዊ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ።

ናይ ኣባይቲ ሓበሬታ ዘቕርብ ጉጅለ ኮቲሊቲ ኣብ ዘቕረቦ ኣሃዝ ፡  ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ዋጋ ክራይ ገዛ ብ 2.1 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ።

ኮቲሊቲ ከም ዝብሎ ፡ ሕጂ ገምጋም ሓንቲ ስድራ ቤት ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ክራይ ፡ ኣብ ሰሙን 202 ዶላር ዝያዳ ትኸፍል ኣላ ።

ሲድኒ ኣብ ኣውስትራልያ እታ ዝኸበረት ከተማ ኮይና ፡ ገዛ ንምክራይ ማእከላይ ዋጋ ክራይ 824 ዶላር ኣብ ሰሙን ትኸፍል ። 

 ሰልፊ ተቓዋሚ ባዛዕባ ስደተኛታት ዘውጽኦ መደብ ተቓዉሞ ይገጥሞ

ክኢላታት ሕጊ ፡ እቲ ናይ ፈደራል ሰልፊ ጥምረት ዘዳለዎ ሓድሽ መደብ ፍልሰት/ኢሚግረሽን ፡ ነቲ ሰፊሕ ስርዓተ ፖለቲካዊ ዛዕባ ብምግባር ኣብ ሓደጋ ዘእትዎ እዩ ብምባል ኣጠንቂቖም።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጉስ ተይለር ነቲ ንሱ ክብርታት ኣውስትራሊያ ንዝበሎ ብናይ ኣውስትራሊያ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እኹል እምነትንዘይኣርእዩ ስደተኛታት ካብ ኣውስትራሊያ ንምስጓጎም ዝዓለመ መደብ ናይቲ ሰልፊ ገሊጹ ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዕቝባ ንዝደልዩ ብፍሉይ ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ብምጥቃስ ፣ እቲ ጕጅለ ስደተኛታት ፍልስጢኤም ልዑል ሓደጋ ብምዃኑ ብዝያዳ ኩነታቶም ክምርመር ከምዘለዎ  ድማ ገለጸ ። 

 ሽምፒዮን ሊግ ኣውሮጳ

 ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፡ ኣትለቲኮ ማድሪድን ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን (P-S-G) ናብ ፍርቂ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ዝበጽሓ ቀዳሞት ጋንታታት ኮይነን ።

 ኦስማነ ደምበለ ክልተ ሸቶ ንፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን (P-S-G) ብምምዝጋብ  ኣብ ካልኣይ እግሪ ናይ ርብዒ ፍጻመ ጸወታኦም ኣብ ኣንፊልድ ንሊቨርፑል ክልተ ብባዶ ክትስዕራ ኪኢላ ።

ኣትለቲኮ  ንባርሴሎና ብድምር ሰለስተን ክልተ ሸቶታት ብምስዓር እያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ።

  Check out our podcast collection here

 

 

 


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now