ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

** ንሰልፊ ዋን ኔሽን ዝወሃብ ደገፍ ይጎድል መራሒት እቲ ሰልፊ ፖሊን ሃንሰን ዓበይቲ ሰልፍታት ንፖሊሲና ስለዝወስዳ ዘለዋ ደገፍ ክረኽቡ ኪኢሎም ትብል። ** ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ክትሳተፍ ትሓስበሉ ከምዘላ ኣፍሊጣ።... ** ‘ዓርሞሽሽ ሱፐርማርኬት ዉልዎርዝ ፡ ንዓማዊል ብናይ ሓሶት ምጉዳል ዋጋታት ከምዝገብር የታልል ኣሎ’ ንዝብል ዝቐረበሉ ክሲ፡ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክጣበቑሉ እዩ።


መዐቀኒ ድምጺ ህዝቢ (POLLS)

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ክልተ መዐቀኒ ድምጺ ህዝቢ፡ ሰልፊ ዋን ኔሽን ካብ 27 ሚኢታዊ ናብ 24 ሚኢታዊ ወሪዱ: ሰልፊ ለበር ከምቲ ዝነበሮ ኣብ 31 ሚታዊ: ሰልፊ ጥምረት ድማ 21 ሚእታዊ ደገፍ ህዝቢ ከምዘለዎ ተፈሊጡ ።

ኣንቶኒ ኣልባነስ ሕጂ እውን እንተ ኰነ ፡ ካብ ኣንጉስ ተይለር ብ46 ን 37 ሚእታዊ ተመራጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃኑ እቲ መዐቀኒ ድምጺ ህዝቢ ወይ ፖል ኣመልኪቱ፡ 17 ሚእታዊት ግና ዘይወሰኑ ምዃኖም የመልክት ።

መራሒት ዋን ኔሺን ፖሊን ሃንሰን ግን ሰልፍታት ለበርን ጥምረትን ናይ ሰልፋ ዋን ኔሽን ፖሊሲታት የተኣታትዉ ስለዘለዉ እዮም ድምጺ ዝረኽቡ ዘለዉ ክትብል ን ስካይ ኒውስ ትሕብር ።

ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ACT

ናይ ፈደራልን ኣውስትራሊያን ርእሰ-ከተማ ግዝኣት ኣብ ሙሉእ- A-C-T ከባቢ 4,900 ገዛውቲ ንምህናጽ ከምዝወሰነ ፤ ካብዚ ልዕሊ 1,700 ንናይ ፈለማ ዓደግቲ ገዛ ጥራይ ከምዝህነጽ ኣፍሊጡ ።

ዉልወርዝ ACCC

 ‘ዓርሞሽሽ ሱፐርማርኬት ዉልዎርዝ ፡ ንዓማዊል ብናይ ሓሶት ምጉዳል ዋጋታት ከምዝገብር የታልል ኣሎ’ ንዝብል ዝቐረበሉ ክሲ፡ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክጣበቑሉ እዩ።

 ከምቲ ኮልስ ኣብ ለካቲት ኣብ ቤት ፍርዲ ፈደራል ቀሪቡ ንክሲ ዝተኸላኸለ ዉልዎርዝውን ጉዳዩን መርትዖኡን ከቕርብ እዩ። ፡ ክልቲኦም ዓርሞሸሽ ሱፐርማርኬታት ፡ መጐተኦም ክሳዕ ዘቕርቡ ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ፍርዱ ከጽንሖ እዩ።

እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ናይ ምውድዳርን ዓማዊልን ኮምሽን [ACCC] ፡ ኣብ 2024 ኣብ ልዕሊ ዉልወርዝን ኮክስን ፣ ክልቲኦም ሸቐጣት ፡ “Prices Dropped” and “Down Down” ን ኣብ ትሕቲ ዝብል መተባብዒ ዘውጽኡ፡ ዋጋኦም ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምኽባር ዝገብርዎ ምትላል ምዃኑ ብምርግጋጽ ከሲስዎም ።

                                                         

እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት እንተተሰጊሩ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘተ ክግበር ይኽእል እዩ።

ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ክትሳተፍ ትሓስበሉ ኣላ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ብሰኑይ ንሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ ኣመሪካ ንወደባት ኢራን ምዕጋት ደው ከተብሎ ፓኪስታን ድሕሪ ዝገበረቶ ጻዕሪ እዩ።

ኢራን ኣብቲ ዘተ ንተሳትፎኣ "ብጽቡቕ ትምርምሮ" ከም ዘላ ፡ ካብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝወጸ ንምስታፍ ዝምልከት ሓሳባት ብምቕያር ፡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ገሊጻ ኣላ ።

ይኹን እምበር ፡ እቲ በዓል ስልጣን ፡ ዉዱእ ውሳነ ከም ዘይተገብረ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ኢራናዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣባስ ኣራግቺ ድማ ፡ "ብኣመሪካ ብቐጻሊ ዝግበር ምግሃስ ናይ ምቁራጽ ኲናት" ፡ ነቲ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ ንኸይቅጽል ዓቢ ዕንቅፋት ምዃኑ ገሊጹ ።

አርጋቺ ንፓኪስታናዊ መዘናኡ ኢስሓቅ ዳር ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ ፡ ኢራን ንዅሉ መዳያት እቲ ጕዳይ ኣብ ግምት እናኣእተወት ፡ ብኸመይ ብዝያዳ ከም እትቕጽሎ ገና ክትውስን ከም ዘለዋ ሓቢርዎ ።

እቲ ንኣሽሓት ሰባት ዝቐተለን ንቝጠባ ዓለም ብፍላይ ከኣ ንዕዳጋታት ጸዓት ሰንከልከል ዘበለ ኲናት ንክልተ ሰሙን ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሰሙን እዩ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ከብቅዕ ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብ ዕዳጋታት ስቶክማርኬት ዉድቀትን ካልእ ተወሳኺ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ካልእ ተወሳኺ ወሰኽ ዋጋን ከይህሉ ነዚ ዘተ ክግበር ደልይዎ እዩ ዘሎ ።

ዝቕጽል ዘሎ ዕግታ

እቲ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ኣመሪካ ንሓንቲ ናይ ኢራን ናይ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ምዕጋታን ነቲ ዕግታ ክትቅጽሎ ምዃና ድሕሪ ምግላጻን ኢራን ድማ ሕነ ከምትፈዲ ምስ ኣፍለጠት እያ።

ሓደ ፓኪስታናዊ ምንጪ ጸጥታ ፡ ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ዝብሃል ፓኪስታናዊ ፡ ንትራምፕ እቲ መዕገቲ ዘተ ከይግበር ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ከም ዝነገሮ ፡ ትራምፕ ድማ ነቲ ምዕጋት ከቋርጾ ከም ዝደሊ ቃል ከም ዝኣተወ ገሊጹ ።

ኣመሪካ ፡ እቲ ግዜ ናይ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ቅድሚ እካሉ ፡ ኣብ ፓኪስታን ዘተ ክትጅምር እያ ትጽበ ነይራ ።

ይኹን እምበር ፡ ኢራናዊ ፕረዚደንት ማሱድ ፐዜሽኪያን ፡ "ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ዘይቅኑዕን ንሓድሕዱ ዝጋጮን መልእኽቲ የመሓላልፉ ፣ ኢራን ኢዳ ክትህብ ይደልዩ ኣለዉ" በለ ።

ወሲኹ እውን ፡ "ኢራናውያን ብሓይሊ ኣይግዝኡን እዮም" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ጽሒፉ ።

እቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ዘብቅዓሉ ግዜ

ትራምፕ ነቲ ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ ስምምዕ ምቁራጽ ውግእ ምስ ኢራን ብ7 ሚያዝያ ከም ዘብቅዕ ድሕሪ ምግላጹ ፡ መዓስ ከም ዘብቅዕ ብንጹር ኣይገለጸን ።

ሓደ ኣብቲ ዝርርብ ዝሳተፍ ፓኪስታናዊ ምንጪ ከም ዝሓበሮ ኃሙስ ሰዓት 10 ምሸት እዩ ዝዉዳእ ፣ እዚ ድማ ኃሙስ ኣብ ኢራን 3: 30 ንግሆ እዩ ዝኸውን ዘሎ ።

ኣመሪካ ነቲ ንይ ኢራን ወደባትዓጽያቶ እያ ዘላ ፡ ኢራን ነቲ ምዕጋት ደው ኣቢላቶ ድሕሪ ምጽናሕ መሊሳ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያቶ ።

ነጋዶ እቲ ስምምዕ ከይፈርስ ስለ ዝፈርሑ ዋጋ ነዳዲ ብከባቢ 5 ሚእታዊ ወሲኹ ። ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝነበራ መራኽብ ደው ክብላ ተገዲደን። ብመሰረት ሃበሬታ ጉዕዞ መራኽብ ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓት ፡ ሰለስተ መራኽብ ጥራይ ክሓልፋ ከምዝከኣላ ይሕብር ።

 Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now