ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

** ምስ ኢራን ተገይሩ ዝጸንሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንዘይተወሰነ ግዜ ከምዘናወሖ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣፍሊጡ... ** ላዕለዋይ ኣዛዚ ሜጀር ጀነራል ኣል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም "ኣል-ጉባ" ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ከዲዑ ንመንግስቲ ሱዳን ኢዱ ሂቡ።... ** ፕረሲደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።


 

ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኢራን ተናዊሑ

 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ሓይልታቱ "ድሉዋትን ኽኢላታትን" ኮይኖም ፡ ናይ ኢራን ወደባትን መራኽብን ዓጊቶም እናጸንሑ ብሕቶ ፓኪስታን መሰረት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተኹሲ ደው ምባል ከምዝተናወሐ  ገሊጹ ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ: እቲ ምቁራጽ ተዅሲ "ክሳዕ እቲ እማምኦም ዝቐርበሉ ግዜ: ከምኡውን እቲ ዘተ ክሳዕ ዝዛዘም" ዝቕጽል ምዃኑ ጸሕፉ ።

ኢራን ዛጊት ብዛዕባ'ዚ ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበትን ።

ኣቐድም ኣቢሉ ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስማዒል ባጋይ ፡ ዋሽንግተን ንወደባት ኢራን ብምዕጋትን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኢራን ዒላማ ብምግባር ድሮ ነቲ ተዂሲ ደው ምባል ጥሒሳቶ እያ  ክብል ከሲሱ ነይሩ ።

ሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ ኣዛዚ ፡ ኣመሪካ ካብ ሃገራት ጋልፍ መጥቃዕቲ ክትገብር እንተኣፍቂደናላ እተን ሃገራት ነዳዲ ምፍራሕ ደሓን ኩን ክብላ እየን ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ ።

                                                         

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሜጀር ጀነራል ኣል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም "ኣል-ጉባ" ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ከዲዑ ንመንግስቲ ሱዳን ኢዱ ሂቡ።

ዝሓለፈ ሰንበት 19 ምያዝያ 2026፡ ፕረዚደንት ቤትምኽሪ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ንዝኸድዐ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሜጀር ጀነራል ኣል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም "ኣል-ጉባ" ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከም ዝተቐበሎ ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።

ምኽዳዕ ጀነራል ኣል-ጉባ ዝፍጸም ዘሎ፡ እቲ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝተወልዐ ውግእ ሓድሕድ፡ ንሱዳን ናብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃሊዑዋ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።

 

ኣውሮጳን እስራኤልን

ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ፡ ብዛዕባ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ፡ ክሳብ ኣብ ኢራን ዘሎ ግጭትን ዝሰዓበ ምንሃር ዋጋታት ጸዓት ንምዝታይ ኣብ ላክሰምበርግ ይእከቡ ኣለዉ ።

ብዛዕባ እቲ ምስ እስራኤላውያን ዘሎ ኣተሓሕዛ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳ ፍልልይ ስለዘምጽአ እቲ ሕብረት ወሳኒ ስጉምቲ ከይወሰድ ዓጊቱ እዩ ።

ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮጳ ፡ ካጃ ካላስ ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ብዛዕባ ምውሳኽ ፡ ቀጻሊ ዝርርባት ብዛዕባ ምክያድ ፡ ገና ስምምዕ ከም ዘይተገብረ እዩ ዝገልጽ ።

 ክብሪ መነባብሮን ዓመጽ ስድራቤትን

 ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋታት መነባብሮ ዝሰዓበ ጸቕጢ- ብዙሓት ኣውስትራሊያውያን ደቂ-ኣነስትዮ ነቲ ጐነጻዊ ዝኾነ ሓዳረን ገዲፈን ይወጻ ከምዘለዋን ኣብ መንጎ ድሕንነትን ገንዘባዊ ዉሕስነትን ምርጫ ክገብራ ይግደዳ ኣለዋ ።

ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ፡ ዓቕሚ ምክራይ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪድሉ ኣብ ዘሎ ፡ ንገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መጻወድያ ዓመጽ የእትውወን ከም ዘሎን ፡ ንኻልኦት ድማ ህጹጽ ጸገም መንበሪ ገዛ ስለ ዘጋጥመን ውጥረትን ቊጠባዊ ጸገምን ፈጢሩለን ከም ዘሎ ፡ ክኢላታት የጠንቅቑ ።

ዳርጋ ክልተ ሲሶ ካብ መጻምድተን መጥቃዕቲ ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ገዝአን ይወጻ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መንበሪ ገዛ ፡ ዘዋህለላኦ ገንዘብን ርግኣትን ይስእና ።

[[ብስድራቤታዊ ዓመጽ ጸገም እንተለኩም በዞም ዝስዕቡ መራኸቢታት ሓገዝ ሕተቱ፡, ብ 1800RESPECT ኣብ 1800 737 732 ደውሉ, በዚ 0458 737 732 ተክስት ግበሩ, ወይ ኣብ 1800RESPECT.org.au. ብጽሑ። ንህጹጽ ኩነታት ብ 000 ደዉሉ።.

                                                         

ሊባኖስ ሕዝቡላህ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ፡ መንግስቱ ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ክገራጮ ከም ዘይደሊ እኳ እንተ ገለጸ ፡ እቲ ግጭት ምእንቲ ደው ክብል ምስ እስራኤል ቀጥታዊ ዝርርብ ክጽል ግና ፈጺሙ ከምዘይፈርሕ ኣረጋጊጹ ።

                                                         

ፕረሲደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብዝቕሩብ እዋን ዕድመ ስልጣኑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝተናውሐ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፡ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ብሰንበት ኣብ ኣኽሱም ተኣኪቡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ በቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝተገብረ በይናዊ መረጻ ዝቖመ ክለላዊ መንግስቲ ክትካእ ወሲኑ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ እቲ ካብ ህወሓት ተመሓላሊፉ ዘሎ ውሳነ፡ "ኲናት ከስዕብ ዝኽእል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቲ ናይ ህወሓት ውሳነ ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘብቅዕ ከምዝዀነ ብምግላጽ ነቒፍዎ ኣሎ።

"እዋናዊ መብርሂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ንክምለስ ዝተወሰነ ውሳነ ነቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ውድቂ ዝገበረ እዩ" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

 


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now