ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (28 ሚያዝያ 2026)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

** ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዘኽፍት እማመ ኣቕሪባ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ኣካላት ጸጥታኡ ይመያየጠሉ ኣሎ። ** ናይ ካሊፎርኒያ መምህር ብፈተነ ቕትለት ፕረሲደንት ኣመሪካ ክሲ ቀሪቡሉ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም።


ትራምፕ፡ ኢራን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ ኢራን ብዛዕባ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ኣቕሪባቶ ዘላ እማመ፡ ምስ ጉጅለ ጸጥታኡ ተመያይጡ  ።

እቲ እማመ ፡ ኢራን ነቲ ቀንዲ መስመር መስመር መጎዓዓዚ ነዳዲ ትኸፍቶ፡ ኣመሪካ ነቲ ዕጽዋ ምስተልዕሎን እቲ ኲናት ደው ከምዝብል ውሕስነት እንተሂባን እዩ ።

መጻብቦ ሆርሙዝ ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮሪደር ጸዓት ኮይኑ ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዘሎ ውጥረት ከኣ እቲ ቀንዲ ጉዳይ መሰሓሓቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ ።

                                                         

እስራኤል፡ ሊባኖስ

 ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሰለስተ ሰሙን ካብ ዝናዋሕ ድሕሪ ክልተ መዓልታት፡ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ "ሓያል መጥቃዕቲ" ክኸፍት ኣዚዙ። ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝተፈጸመ ደብዳብ 14 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ክልተኦም ወገናት ብተደጋጋሚ ነቲ ስምምዕ ብምጥሓስ ክካሰሱ ድሕሪ ምጽናሖምን እዩ እቲ ሓድሽ ትእዛዝ ተዋሂቡ ዘሎ። ሓደ ወተሃደር እስራኤል'ውን ብመጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ተቐቲሉ ኣሎ።

ተመለስቲ ጉጅለ ኣይ ኤስ (IS)

 

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን እስላማዊ ኣውስትራሊያ (AFIC)ነቶም ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱ ዝደልዩ ዘለዉ ምስ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ዝጸንሖም (ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ዝበሃሉ) ኣንስትን ህጻናትን ናብ ሃገሮም ንምምላስ መንግስቲ ፌደራል ክሕግዝ ጸዊዑ ።

ኣቐዲሙ ሚኒስተር ጉዳያት ዉሽጢ ቶኒ በርክ ፡ መንግስቲ ንዕኦም ንምሕጋዝ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይገብር ክገልጽ ከሎ ፡ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ኣንጉስ ተይለር ድማ ነቲ ዘለዉዎ ዅነታቶም ባዕላቶም ከም ዝመረጹዎን ንሓደ ግብረ-ሽበራዊ ትካል ዝግበር ደገፍ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎን ድማ ባዕሎም ይሞኮርዎ ክብል ገሊጹ ነይሩ እዩ ።

ናይ AFIC ፕሬዝዳንት ዶ/ር ራትብ ጂኒድ ግን እተን ኣንስትን ቆልዑትን ንከባቢ ሸውዓተ ዓመት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሶርያ ከቢድ ሰብኣዊ ዋጋ ናይ ሰብ ከፊሎም እዮም ይብል ።

                                                         

 ክሲ ፈተነ ቅትለት ፕረሲደንት ኣመሪካ

 ወዲ 31 ዓመት ወዲ ካሊፎርኒያ መምህር ፡ ብፈተነ ቅትለት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተኸሲሱ።

ኮላን ኣለን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ንጋዜጠኛታት ብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተኣንገደ ናይ ድራር ምሸት ተዂሲ ብምኽፋት ተኸሲሱ ዘሎ ።

ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ-ሲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፡ ብፈተነ ቅትለት ኣብዝተኸሰሉ ይግባይ ኣይሓተተን፡ ንሱ ብተወሳኺ ብክልተ ክሲ ምስ ምጥቃም ኣጽዋር ዝተሓሓዝ ተኸሲሱ ኣሎ።

ዓቀብቲ ሕጊ ነቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣለን ኣብ ሆቴል ሂልተን ጸጥታ ክዘርግ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ናይ ፓምፕ ጥይት ሽጉጥን ሰለስተ ካራሩን ሒዙ ከምዝነበረ ነገርዎ ።

በቲ ቐሪብሉ ዘሎ ከቢድ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ኣለን ዕድሚኡ ምሉእ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፎ እዩ ።.

                                                         

 ስምምዕ ንግዲ ህንዲን ኒውዚላንድን 

ህንድን ኒው ዚላንድን ቊጠባዊ ምትእስሳር ንምዕማቝን ዕዳጋ ንምስፋሕን ዝዓለመ ናጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ ከቲመን ኣለዋ ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ 95 ሚኢታዊት ናይ ኒው ዚላንድ ሰደድ ናብ ሕንዲ ቀረጽ ዘጉድል ወይ ምሉእ ብምሉእ ብዘይቀረጽ ዘግብር እዩ ፡ ህንዲ ናብ ኒው ዚላንድ ትልእኮ'ውን ካብ ግብሪ ነጻ ዘግብር ስምምዕ እዩ።

ሚኒስተር ንግዲ ኒው ዚላንድ ቶድ ማክለይ ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ወሳኒ እዋን ከም ዝመጸ ከምዝገለጸ ተፈሊጡ ኣሎ ።

                                                         

ሓደጋ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም። እቲ ኣብ ክልል ምሓራ፡ ዋግ ሃምራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓንቲ 'ኣይሱዙ' ዝዓይነታ እኽሊ ጽዒና ዝነበረት መኪና 80 ሰባት ደሪባ እናተጓዓዘት እንከላ ብምግልባጣ ዝሰዓበ'ዩ። ካልኦት 61 ሰባት'ውን ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ።


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now