SKIP TO MAIN CONTENT

ዓለም ንዓመተ 2018 ብከመይ ትቕበሎ ኣላ?

New Year Celebration in Sydney
New Year Celebration in Sydney Source: AAP

ዉልቀ ሰባት፡ ማሕበረሰባት፣ ኣብያተ እምነታት’ውን ከከም ኣገባቦም ንሓዲሽ ዓመት ይቕበሉ። ገለ ተፈላሊዮም ዝነበሩ ከካብ ዘለዉዎ ብምትእኽኻብ ገለ ድማ ብዘመን ኣምጽኦ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ብሞባይላቶምን ኮምፒሮምን ገጽ ንገጽ እናተረኣዩ ናፍቖቶም የፍስሱ ንሓዲሽ ዓመት ምንዮቶም ይገላለጹ፡፣ ኣብ ትልሂት ዝሓድሩ መንእሰያት ገለ ድማ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ከይዶም ንኣምላኾም ከመስግኑ ዝሓድሩን’ውን ኣለዉ፡፣


Published

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ዉልቀ ሰባት፡ ማሕበረሰባት፣ ኣብያተ እምነታት’ውን ከከም ኣገባቦም ንሓዲሽ ዓመት ይቕበሉ። ገለ ተፈላሊዮም ዝነበሩ ከካብ ዘለዉዎ ብምትእኽኻብ ገለ ድማ ብዘመን ኣምጽኦ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ብሞባይላቶምን ኮምፒሮምን ገጽ ንገጽ እናተረኣዩ ናፍቖቶም የፍስሱ ንሓዲሽ ዓመት ምንዮቶም ይገላለጹ፡፣ ኣብ ትልሂት ዝሓድሩ መንእሰያት ገለ ድማ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ከይዶም ንኣምላኾም ከመስግኑ ዝሓድሩን’ውን ኣለዉ፡፣


ንምቕባል ዓመተ 2018፡ ብመስኮት ተለቪዢን ክሳብ ሓደ ቢሊዮን ህዝቢ ዓለም፡ ብኣካል ድማ ኣስታት 1.6 ሚሊዮን እዩ ነቲ ካብ ሲድኒ ሃርበር ብሪጅ  ሕብራዊ ቐለም ዘለዎ ዝተተኮሰ መዳፍዕ ርችት ተዓዚብዎ። ብበሃህላ ሰብ መዚ ኣውስትራሊያ ናይ ሎሚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ሕጋዊ ስለዝኾነ እቲ ዝተፈነወ ሕብሪታት ብርሃን ነዚ ጉዳይ ዝጽንብልን ከተማ ሲድኒ ብምቕባል ሓዲሽ ዓመት ዋና ከተማ ዓለም ምዃና ዘመስክር’ዩ ኢሎም፡፣

ናይ ከተማ ሲድኒ ከንቲባ ወይዘሮ Clover Moore ከምዝገለጸቶ “ሎሚ ዝተተኮሰ ርቺታት ኣብ ዓለም እቲ ዝማዕበለ ተክኖሎጂ እዩ። ቀልቢ ቢሊዮናት ህዝቢ ዓለም ድማ ሲሒቡ ኢላ፡፣

ከተማ መልበርን’ውን ካብ ከተማ ሲድኒ ክሓምቕ ክትርእዩኒ ኢኹም ዝበለት ክትመስል ኣብ ሕምብርቲ እታ ከተማ ካብቶም ሰማይ ዝጥንቁሩ 22 ሪሻናታ 14 ቶናት ዝኽብደቱ ናይ እንቋዕ ንዓመተ 2018 ኣብጽሓና ንምብሳር ተዂሲ ርቺት ፈንያ። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ሎሚ ዓመት መልበርን ልዕሊ ሲዲኒ’ያ ምርኢት ምቕባል ሃዲሽ ዓመት ኣርኣያ፡፣ ኣብ ከተማ መልበርን ንሓዲሽ ዓመት ንምቕባል ዝተኣከበ 500,000 ህዝቢ ንምሕላው ተወሰክቲ 2,000 ኣባላት ጸጥታ እዮም ኣብ ማእከል ከተማ መልበርን ተዋፊሮም።

 

 ኣውስትራሊያ ካብ ቀዳሞት ተቐበልቲ ሓዲሽ ዓመት ኮይና ትጠቐስ እምበር በዓል ኒውዚላንድ፡ ሳሞዋ፡ ክሪስማስ ኣይላንድን ካሪባቲን ዝበላ ጎረባብታ ናይ ደሴታት ሃገራት ካብተን ኣቐዲመን ንሓዲሽ ዓመት ሓንጎፋይ ኢለን ዝተቐበላ ሃገራት እየን፡፣

ኣብ ርሑቕ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕ ኤሽያ ከም በዓል ጃፓን ን 2018 ግቡእ ኣቀባብላ ክገብራላ ከለዋ፡ እታ ምስ ጎረባብታን ምስ ኣመሪካን ኣብ ኑክሌይስ ቦምባ ተኮስኩ፡ ድሎ ከይትዕሎ ክትብል ዝሓገየትን ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርእሲ ርእሲ ብማዕቀባት ክድብድባ ዝሓገየ ሰሜን ኮርያ ካብታ መቐናቕንታ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ፍርቂ ሰዓት ደንጉያ እያ ብኽብ ዝበለ ስነስርዓት ን2018 ተቐቢላታ፡፣

ኣብ ኢንዶነዢያ ኣማኢት መጻምዲ ቃል ኪዳን ብምእሳር፡ ንዋዜማ ሃዲሽ ዓመተ 2018 ጸምቢሎሞ፡፣ ኣስታት 450 ጽምዲ ኣብ ከተማ ጃካርታ ኣብ ዓቢ ዳስ ተረኺቦም ኣብ ቅድሚ ቤተ ዘመድን ኣዕርዂትን ቃል ኪዳን ኣሲሮም፡፣

ኣብ መላእ ዓለም ከከም ኣቀማምጣኦም ሰዓቶም ሓሊዮም ከከም ልማዶም ንዓመተ 2018 ይቕበልዋ ኣለዉ።

ዉልቀ ሰባት፡ ማሕበረሰባት፣ ኣብያተ እምነታት’ውን ከከም ኣገባቦም ንሓዲሽ ዓመት ይቕበሉ። ገለ ተፈላሊዮም ዝነበሩ ከካብ ዘለዉዎ ብምትእኽኻብ ገለ ድማ ብዘመን ኣምጽኦ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ብሞባይላቶምን ኮምፒሮምን ገጽ ንገጽ እናተረኣዩ ናፍቖቶም የፍስሱ ንሓዲሽ ዓመት ምንዮቶም ይገላለጹ፡፣ ኣብ ትልሂት ዝሓድሩ መንእሰያት ገለ ድማ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ከይዶም ንኣምላኾም ከመስግኑ ዝሓድሩን’ውን ኣለዉ፡፣ ሎሚ ሎሚ ናይ ትህኪት ይኹን ዘመኑ ስለዝኾነ ዉቁብ ዕንባባታት፡ ምስ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲታት ዘብለጭልጭ ስእሊታት ኣብ ፈይስቡክ ጠቂዕካ ምንዮትካ ምግልላጽ ዝሓጸረን ዝቐለለን መገዲ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ጽሕዲ ጥሊያን ተጸጊዕካ ምስ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ተሳኢልካ ጠቂዕካ እንቃዕ ኣብጽሓና፡ ንዓመት ብሳህልካ ትኽልላ፡ ኢሉ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥቕሲ ጠቒሱ ኣብ ፈይስቡክ ዝጥቅዕ፣ ፈለጥቲን ኣዕርኹን ድማ ‘ሃፒ ኒው የር!’ ‘ዩ ሉክ ጉድ’ ክትበሃሃልን ናብ ባህሊ እናተቐየረ ይኸይድ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ዓለመ ፈይስቡክ ሃሰስ ኢልና ምስ ምቕባል ሓዲሽ ዓመት ዝረኸብናዮ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡፣

 

ገጣማይ ብርሃነ ገብረህይወት ን2018 መቐበሊት ትኸውን እታ ጸሓፊት ኢዱ ከምዚ ወቂጣ ኣላ።

 

ሓድሽ ዓመት'ንድዩ

ይጽንሓልኪ መቋረቢ

ይጽሓልኪ ክዳን ስግዳን

መፋነዊ ዕብዳን ድዩ

መቐበሊ ዕብዳን፡

ቀያይሪ

እቲ መዋጽኢ

ናብ ሰብ መሐወሲ

ለጣጥፍዮ 

እቲ ቁራጽ ልብሲ

ባህ ክበሎ ንቝሪ!

ንዒ ደኣ ንዒ

ንዕናይ ንሳዕስዕ

ዕዳ ንእስነት'ንድዩ

ዕጭ ኢሉ ከይወጽእ!

ንዒ ተለዓሊ

ንዕናይ ናብ ትልሂት

ወጋሕ ትበል ለይቲ

ሓድሽ ዓመት'ንድዩ

ለይቲ ሓድሽ ዛርቲ።

 

ኣቤል ጉዕሽ ኢትዮጵያዊ ጸሓፊ ኢዩ፣ ሓዲሽ ዓመቱ በቲ ናይ ግእዝ ኣቆጻጽራ እኳ እንተኾነ ንዝምልከተኩም እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፅሓኩም! ብምባል ከምዚ ዝስዕብ ሓናጢጡ ኣሎ፡፣

ዋላ እናተሰከፍና እንኳዕ ኣብፀሓኵም ምባልና ዘይተረፈ

-ኣብ መይናማር ዘይርሳዕ ግፍዒ ሰብ ዝተርኣየሉ ኩነት። ኣብ ቀፃሊ ዓመትኸ እንታይ ክኸውን ይኸውን?

-ናይ የመን 8.5 ሚልዮን ህዝቢ ስኣን ምግቢ ዘትረፈ ጎንፅን ዕግርግርን ኣብ መፃኢኸ ከመይ ኮን ይኸውን?

-ኣብ ሰማይ ደቡብ ሱዳን፣ ሊብያን ሶማልያን ዘንፀላለዉ ሓደጋ ደቂ ሰብ መወዳእታ ባ ይህልዎ ዶ ይኾን?

-ሶርያ እዛ ምስኪን! እቲ 6 ዓመት ምሉእ ተደሲቓ። ከተማ ክነሳ ምፀኣተ ኣለም ካብ ዓለም ፈልዩ ናብኣ ውሒዙ ምድረ ባዳ ገይርዋ። ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝባ ኣሰዲዳ፤ ሚልዮን ተቐዚፎም። ዕፃ ፅባሓ እንታይ ኮን ይኸውን?

-ኣብ 2017ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ኣብ ሜዲተርያን ባሕሪ ተሪፎም። ሰብ በሊዑ ዘይፀግብ ባሕሪ። ካብ ቅድሚኣ ዘሎ ዘይትምሃር እግሪ። መወዳእታ ይህልዎን ዶ?

-ሊብያ መላሲት ታሪኽ። ዘይዕቀብ እትዕብ ሰነፍ! ኣብዚ ዓመት እዚ ዝተሰደዱ 1 ሚልዮን ስደተኛታት ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ተዳልዮም ኣለዉ። ካብ ክሰግሩ ተዳልዮም ምባል ኣብ ቀርኒ ባርነት ኣትዮም ኣለዉ ምባል ይሕሽ። ኣብ 21 ክፍለዘበን ባርነት ብዓይንና ዝርኣናላ ዓዲ። ሰብ ከም ባልዲ ክሽወጥ ክልወጥ ዝተርኣየሉ ዘበን። ፅባሕ ኸ?

-ውጥጥ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ቀልቢ ብዙሓት ዝወሰደ ዓመት ነይሩ። ሰሜን ኮርያ ተኮስኩ ክትብል፤ ኣሜሪካን ደብሪ ገዝኣ ዝኾነ ውድብ ሕቡራትን ዓፈንናኪ ክብላ ዓመት ተላኢሙ። ጎንፂ ወንጫርን መጉራጭን ፅባሕ ኸ ከመይ ይኸውን?

እዚ ናይ ዓለም እዩ። 

ነሓሰ ብዛዕባ ናህና ክነዋግዕ ኢና።

ንዝምልከተኩም ርሑስ በዓል ሓዱሽ ዓመት!

 

ኣቤልኣፈወርቂዝበሃልውንኣብፈይስቡክከምዚኢሉኣሎ፣

!ሰኣን ምምናይ ምረቃን ሰናይ ምንዮት ናይ ደቂ-ሰባት ይሓልፈካ ይበሃል ! ዓመት መጸት ዝነበረት ክትውዳእ እውን ቀረበት ስለዝኮነ ከኣ ነታ ክትውዳእ ዝቀረበት ብሰላም ኺዲ ነታ ብዙሕ ነገር ሃንቀው ኢልና እንጽበያ ከኣ ሃንጎፋይ ብሰላም ምጺ, ,, ዶንጊክና ከማን ? ወያ ደኣ ዕድመና እውን ምሳኪ ኢዩ ክምርቀፍ እምበር ያላ ቀልጥፍና ክንብል ከማን ንደፍር ። እዋይ ዓባሊላስ ናይ ሓቂ ደኣ ይግበሮ ።

ብዝኮነ ዓመተ 

ሰላም ዝሰፍነሉ

ፍትሒ ዝነግሰሉ

ፍቅሪ ሂብና ፍቕሪ ንቕበለሉ

ይቅረ ንበሃለሉ

ምስ ኩሎም መተዓቢትይ ንራከበሉ

ዝሓመመ ምሕረት ዝረክበሉ 

ዝተኣስረ መዋጽኦ ዝፈጥረሉ

ውሉዱን ወላድን ዝራከበሉ 

ዝተሰደደ ብሰላም ዝምለሰሉ

ዓመጽቲ ዝጸንትሉ 

እቶም ብዛዕባ ህዝቦም ለይቲን መዓልቲን ድቃስ ዘይብሎም ሰባት፡ ንነፍሶም ኣብ ሰላማዊ ሃገር ኣዕቊቦም ነቶም ኣብ ፈቐዶ በረኻን ገልታዕታ ዝብሉ ወገናቶም ከይረስዑ ዝነብሩ እዮም፡፣ ሓደ ካብኦም ኣብርሃም ዝተባህለ ንስደተኛታት ዝጣበቕ ኤርትራዊ ኣብ ዓዲ ጥሊያን፣ ንስምዒቱ ብከምዚ እዩ ገሊጽዎ፡

ሩሑስ ሓድሽ ዓመት ኣኣብ ዘለናዮ።በዚ ኣጋጣሚ ሎሚ ዘበን ጉዕዞ ሊብያ ናይ ሞወዳእታ ክትኮውን እናተመኖኹ።ዝኾነ ዘስሞዖ ሰብ ናብዚ መንገድ' ዚ ከይሓስብ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጽ ከናዲ ክመክር ሓላፍነተይ ክገብር ምዃነይ ምስ ነብሰይ ቃል ይኣቱ።

 

ገለ ገለ ድማ  ከምዚ ኢሎም ኣለዉ፡

"ሓድሽ ዓመት መጸት እታ ኩልና ንዕለለላ

እታ 'ኮ ድሕሪ ብዙሕ መቐይሮ ሓድሽ ሂወት ንጅምረላ"

"ቀሪባ እኮ ጩራታታ ኣብረቕሪቛ

ጸሓያውን ብድሙቕ ደሚቓ"

"በሉ እስከ ጸሓያ ጸሓይና ግበሮ

ቅሳነት ይርከብ ኩሉ ዝመረሮ"

ጽጋብ ንጽጋብ ይኹን ዝጠመየ

ሰናዩ ይርከብ ሰናይ ዝተመነየ"

ዓመተ ፍቅርን ሰላምን ትኹነልና 2018"

ዓመትና ይግበራ"

 

ጋዜጠኛ ሺሻይ ገብረሃንስ ሓደ ካብቶም መጻሕፍቲ ምንባብን መጻሕፍቲ ከም ህያብ ናይ ሓዲሽ ዓመት እቲ ዝበለጸ ተግባር ህያብ’ዩ ኢሎም ዝጉስጉሱ  እዩ፡ ነዚ ድማ እዩ “ዝበለጸ ህያባት ናይ'ዚ ዓመት!” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፋይስቡክ ጽሒፉ ዘሎ፡

“ነዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ኮይንኩም ንምምጻእ ሓዳስ ዓመት ዓመተ 2018 ኣብ ምጽባይ እትርከቡ ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ፈተውቲን ኣዕሩኽን፡ ነዛ ሓዳስ ዓመት፡ ከም'ቲ ልሙድ ምስ ብርክትን ትርንዕን ዝበሉ መጻሕፍቲ ክንቀበላ ካብ ምምናይ፡ ነዘን ኣብ ስእሊ እትርእይወን ዘለኹም መጻሕፍቲ ኣበይ ከም ዝርከባ ክሕብረኩም ተቐሪበ ኣለኹ። ንስኹም ድማ፡ ነተን መጻሕፍቲ እንተስ ንነብስኹም ወይ ንፈተውትኹም፡ ከም ህያብ ክትልግሱሎም ዘሎኒ ትምኒት ወሰን የብሉን። ብዛዕባ ጥቕሚ መጽሓፍ ምንባብ ንምርዳእ፡ "ራኢ ዘለዎ ወለዶ" "ሓላዊታ ወርቃዊት ገረብ" "ሓደ ፍጥረት ኣብ ክልተ ዓለም" እንተኽኢልኩም ንሰለስቲአን፡ እንተዘይክኢልኩም ድማ ንሓንቲ ካብኣተን ኣንቢብኩም ጥራይ ጥቕሚ መጽሓፍ ክትረኽብዎን ክትግንዘብዎን ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ማለት ድማ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዘየንበብኩም፡ ግና ድማ ካብ'ዛ ሓዳስ ዓመት ሽጋራ ምትካኽ ገዲፍኩም መጽሓፍ ምንባብ ክትጅምሩ መዲብኩም ዝምልከት ጥራይ'ዩ። በየነይቲ መጽሓፍ ክንጅምር እንተኢልኩም ግና፡ ምኽረይ ብ "ራኢ ዘለዎ ወለዶ" እንተትጅምሩ ዝብል እዩ ዝኸውን። ምናልባት ናተይ ናይ ውልቀይ ርእይቶ እዩ፡፡ ናብ ዋና'ቲ ትካል ናብ ጀማል Jemal Yowhans እንተኸይድኩም ድማ ካልእ ንሱ ዘማኽረኩም ይህሉ ይኸውን። ናይ ክልቴና ምኽሪ ተቐቢልኩም ክልተ መጻሕፍቲ ንሓድሽ ዓመት እንተገዛኹም ድማ ኣይዓብየኩምን። ደጊመ ሰላምን ምልሶትን ዘለዎ ዓመት ክኾነልና እምነ።

ኣበይ ንረኽቦ?

ደሓን እቶ! ኣዘኪርካኒ'ምበር ረሲዐዮ ነይረ

ኣብ ተል ኣቪቭ፡ ሸኾናቲክቫ ጎደና ሄጼል 78 ወይ ድማ Jemal Yowhans ኢልኩም ርኸብዎ በዚ ናይ ፈይስ ቡክ ኣድራሻ ወይ በዚ ተለፎን ክትረኽብዎ ትኽእሉ 0543628187”

ብምባል ሰባት መጽሓፍ ዓዲጎም ምእንቲ ከንብቡ ነቲ መጻሕፍቲ ኣበይ ከምዝርከብ ገሊጹ ኣሎ። ናይ ነገር መጽሓፍን ምንባብን ካብተላዕለ እቲ ብብዙሓት ተፈታዊ ዝኾነ ናይ ቀደም ፕረሲደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፡ 2017 ካብ ዘንበቦም ዝበለጹ መጻሕፍቲን ዝሰምዖም ዜማታትን ኣብ ፈይስቡኩ ዝጸሓፎ ናባኹም ከነብሎ፡

“ፕረሲደንት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብምባል ባራክ ኦባማ ጽሑፉ ይጅምር፡ ዘንበብኩዎም መጻሕፍቲን ዝሰማዕኩዎም ዜማታትን ብምክፋል ባህሊ ኣጥርየ ነይረ። እቶም ኣብ ህይወተይ ጦብላሕታ ዘሕደሩ ደረስቲ ዓለም ስሞም ክብ ክብል ምግባር ጽቡቕ እዩ። ኣብዚ ተረፍ ጊዜ ረኺበሉ ዘለኹ እዋን፡ ከም ወትሩ ኣብ 2017 ኣዚዮም ዝመሰጡኒ ዘንበብኩዎም  መጻሕፍቲን ዘየምቲን ከካፍለኩም ባህ ይብለኒ፡ ንስኻትኩምውን በዚኣቶም ተሓጉስኩም ክትኮኑ ተስፋ እናገበርኩ፡ ሕጉስን ጥዕና ዝመልኦ ሓዲሽ ዓመት ክኾነልኩም እምነ።” ብምባል ባራክ ኦባማ ዘንበቦም እሞ ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደርሉ መጻሕፍቲን ዜማታትን ብኸምዚ ዝስዕብ ተንቲንዎም ኣሎ፡

ኣብ 2017 ዝበለጹ ዘንበብክዎም መሻሕፍቲ

The Power ብ Naomi Alderman

Grant ብ Ron Chernow

Evicted: Poverty and Profit in the American City ብ Matthew Desmond 

Janesville: An American Story ብ Amy Goldstein

Exit West ብ Mohsin Hamid 

Five-Carat Soul ብ James McBride 

Anything Is Possible ብ Elizabeth Strout

Dying: A Memoir ብ Cory Taylor

A Gentleman in Moscow ብ Amor Towles

Sing, Unburied, Sing ብ Jesmyn Ward

ገለ ካብቲ ባራክ ኦባማ ኣብ 2017  ዝሰም ዖም ዜማታት፣

Mi Gente ብ J Balvin & Willy William 

Havana ብ Camila Cabello (feat. Young Thug)

Blessed ብ Daniel Caesar 

The Joke ብ Brandi Carlile

ይርከብዎ።

 

ንስኹም ሰማዕትናኸ፣ ዝሓለፈ 2017 ከመይ ኣሕሊፍኩሞ ንዓመተ 2018 ከመይ ተቐቢልኩማን እንታይ ክትገብሩ መዲብኩም ኣለኹም፡ ሓሳብኩም ኣካፍሉና። በዚ ኣጋጣሚ ኣቶም ብድምጺ ሰናይ ትምኒትኩም ዝሰደድኩምልና ብሕጽረት ጊዜ ብዘይምቕራብና ይቕረታ እናሓተትና፡ ዓመተ 2018 ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ዓወትን ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now