"ምሕላው ድሕነት ካብቲ ዝዓበየ ኢንዳስትሪ ክሳብ መንበሪ ገዛ ዘድሊ ሰፊሕ ዓውዲ ስራሕ እዩ።" መኮንን ተስፋይ
Mekonnen Tesfay Credit: Beyene Weldegiorgis
ኣቶ መኮንን ተስፋይ፡ ኣብ ትካላት ንድሕነት ሰራሕተኛታት ዝከታተልን ዝምህርን በዓል ሞያ ኮይኑ፡ ኣስራሕቲ ሕጊ ተኸቲሎም ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛታቶም ክሕልው ዝከታተል ወይ ዝመክር ሞያ እዩ። ብተወሳኺ እዚ ሞያ፡ ጥዕና ኣከባቢ ንምሕላው ዝተፈላለየ ንኣከባቢ ዝብክሉ ቀመማት ካብ ፋብሪካታትን መዐደኒ ትካላትን ዝምንጭዉ ኣብ ህይወታውያን ሓደጋን ሕማምን ከየስዕቡ ንኣስራሕቲ ዝከታተልን ዝሕግዝን ሞያ ኢዩ። ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ጥንቃቐን፡ ኣስራሕቲ፡ ካብ ሓደጋ ንምክልካል ንሰራሕተኛታት ዝህብዎ ዋሕስን ኣሰራርሓን ምስኡ ዝተሓሓዙን ሕቶታት መሊሱ ኣሎ፡ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Share