ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ኣብ ቓዛ ግብረመልሲ ንመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ይህቡ

ፍልስጤማዊ ገፋፍ ዓሳ ኣብ ወደብ ቓዛ Credit: AAP
እስራኤል 10 ሰባት ዝቐተለ ንወሽመጥ ቓዛ ብመጥቃዕታት ሚሳይል ድሕሪ ምድብዳባ ውድብ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጂሃድ (ፒኣይጀይ) ልዕሊ 100 ተወንጨፍቲ ሮኬታት ካብ’ቲ ወሽመጥ ተኲሱ። ኣብ’ቲ ምምሕዳር ካልእ ኲናት ክህሉ’ዩ ዝብል ፍርሒ ኣብ ዝሰፈነሉ ሰብመዚ ዓለም እቲ ኩነታት ክሃድእ መጸዋዕታ የቕርቡ።
Share