ኣውስትራሊያ ን ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልታት ክወጽእ ኣዚዛ፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ክኣቱ ኣሚማ።

Iranian ambassador to Australia Ahmad Sadeghi is seen leaving the Embassy of the Islamic Republic of Iran in Canberra, Wednesday, August 27, 2025. (AAP Image/Lukas Coch) NO ARCHIVING Source: AAP / LUKAS COCH/AAPIMAGE
መንግስቲ ኣውስትራሊያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውስትራሊያ ዝተገብሩ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕትታት ኢድ መንግስቲ ኢራን ከምዘለዎ ብክፍሊ ጸጥታን ስለያን ኣውስትራሊያ መረጋገጺ ምስ ረኸበ ምስ ኢራን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና በቲኹ ኣሎ። በዚ ድማ ኣምባሳደር ኢራን ካብ ኣውስትራሊያ ንኽወጽእ ሸውዓተ መዓልታት ተዋሂብዎ ኣሎ ። ሰልፊ ጥምረት ን ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ጉጅለታት ግብረ-ሽበራውያን ዘእቱ ሕጋዊ መስርሕ ከቅላጥፍ ንመንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸዊዑ። እዚ ዝመጸ ድሕሪ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ጸጥታን ስለያን ማሕበረሰብ ን IRGC ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ምግላጹ እዩ ።
Share