SKIP TO MAIN CONTENT

"ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛ ከብዝሖ እየ።" ሰልፊ ለበር

Australian Opposition Leader Bill Shorten
Australian Opposition Leader Bill Shorten speaks during the introduction of the Reconciliation Action Source: AAP

ሰልፊ ለበር እንተተመሪጹ፡ ኣውስትራሊያ እተእትዎ ብዝሒ ስደተኛ ክበዝሕን ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ መብጽዓ ዝመጽእ ዘሎ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣሰራርሓ ናይ ተሰደድቲ ቪዛ ለውጢ ከምዝገብር ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን እዩ።


Published

Updated

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ሰልፊ ለበር እንተተመሪጹ፡ ኣውስትራሊያ እተእትዎ ብዝሒ ስደተኛ ክበዝሕን ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ መብጽዓ ዝመጽእ ዘሎ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣሰራርሓ ናይ ተሰደድቲ ቪዛ ለውጢ ከምዝገብር ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን እዩ።


ሰልፊ ለበር እንተተመሪጹ፡ ኣውስትራሊያ እተእትዎ ብዝሒ ስደተኛ ክበዝሕን ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ ኣሎ።

 እዚ መብጽዓ ዝመጽእ ዘሎ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ  ኣሰራርሓ ናይ ተሰደድቲ ቪዛ ለውጢ ከምዝገብር ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን እዩ።

 ........................

ሰልፊ ለበር ንዓመታ እንተተመሪጹ ኣውስትራሊያ ካብቲ ኣብዚ እዋን ተእትዎ ዘላ ብዝሒ ስደተኛ ዓመታዊ ተወሰኽቲ  4,000 ከተእቱ ምዃና ተመባጺዑ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ተቓዋሚ ወገን ዘሎ ሰልፊ፣ ፖሊሲ ብጀላቡ ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ከይኣትዉ ምኽልካልን ካብ ዶባት ኣውስትራሊያ ወጻኢ ዝግበር መስርሕ ምምያ ሓተቲ ዑቕባን ከምዝቕጽልን ኣፍሊጡ ኣሎ።

 መራሒ ተቓዋሚ ቢል ሸርተን ነዚ ዝበለ ኣብ ኣደላይድ ዝተገብረ ናይቲ ሰልፊ ዓመታዊ ናይ ክፍለግዝኣት ዋዕላ እዩ።

 "ኣውስትራሊያ ንሃገራዊ ጸጥታኣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወት ወይውን ነቲ ዝኣተወቶ ጽኑዕ ናይ ሓለዋ ዶብ መብጽዓ ከይተዓንቀፈት ነቲ ዘለዋ ናይ ኣህጉራዊ ሰብ ኣውን ሕጋዊን ሓላፍነታ ከተማልእ ከምትኽእል እኣምን እየ።."

 ብዘይካ’ዚ ሰልፊ ለበር ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሓተቲ ዑቕባ ንምሕጋዝ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ 500-ሚሊዮን ዶላር ከምዝህብ ተመባጺዑ ኣሎ። እቲ ብኮሙኒቲ ኣቢልካ ስደተኛታት ምምጻእ ዝብል ፕሮግራም ኣብ ዓመት ካብ  1,000 ናብ 5,000 ከምዘዕብዮ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፣

 እዚ መብጽዓታት ዝተገብረ ኣብቲ ሰልፊ ዘሎ ፍሕፍሕ  ናይ ጸጋምን የማንን ኣራኣያታት ኣዘሓሒልካ ብዛዕባ ፖሊሲ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ህዝቢ ዕንወት ከየምጽእ ንምክልኻል ተባሂሉ እዩ።

ቢል ሸርተን ከምዝበሎ ሰልፉ ኣሰጋገርቲ ሰባት ካብ ወጻኢ ካብ ምንጮም ደው ንምባል ኣብ ወጻኢ ዝሰርሑ ቁጽሪ ሰብ መዚ ኣውስትራሊያ ከብዝሕ እዩ።

 ሰልፊ ለበር ብተወሳኺ ኒውዚላንድ ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራ ከተጣይስ ዝሓተቶ ሰልፊ ለበር ከምዝቕበሎውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

 "እንተተመሪጽና ነቲ ኒውዚላንድ ኣብ ማኑስን ናሩን ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራ ከተጣይሶም ዘቕረበቶ ሕቶ ልክ ዕ ከምቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምም ዕ ጌርና ክንቅበሎ ኢና።

 እዚ ናይ ሰልፊ ለበር መብጽዓታት ዝመጽእ ዘሎ ፈደራል መንግስቲ ራእይ ቁጠባዊን ፊስካልዊን ኣመት መንፈቓዊ ዓመት ኣብ ዘቕረበሉ ኮይኑ፡ ኣብዚ ካብቲ ዝወስዶም ብዙሓት ስጉምቲታት ኣብ ኣሰራርሓ ቪዛ ለውጢታት ከምዝገብር ኣፍሊጡ ኣሎ።

 ኣብ ዝመጽእ ኣሰራርሓ ቪዛ ልዕሊ  $70 ሚሊዮን ዶላር ከምዝስልዕ፣ እዚ ነቶም ኣብ ኣውስትራሊያ መጺኦም ክመሃሩ፡ ክሰርሑን ክነብሩን ዝመጹ ዘሳልጥ ዲጂታዊ ኣሰራርሓ ዘቕርብ ኩባኒያ ዝውዕል ገንዘ እዩ ክኸውን።

 እቲ ኩባኒያ  ነቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ነቶም ኣመልከቲ ብምኽፋል ዓስቡ ክረክብ እዩ።

 ሰልፊ ለበርን ዩኒዮንን ግና ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ ናብ ብሕቲ ምስግጋር ተቓዊሞሞ ኣለዉ። መቃወሚኦም ምኽንያት ድማ ናብ ዉልቂ ብምስግጋር ንኣሻሓት ሰራሕተኛታት ደፓርትመንት ሆም ኣፈየርስ ስርሖም ዘሕድግን ንጸጥታዊ ምክትታልውን ኣብ ስግኣት ስለዘውድቕን ብምባል እዩ።

 እንተኾነ ትረዠረር ጆሽ ፍራይደንበርግ ከምዝብሎ ናይ መንግስቲ ናይ መንፈቕ ቁጠባዊን ፊስካላውን ራእይ  ቅኑዕ ዉሳነ እዩ። ብምባል ይጣበቐሉ።

 ["እዚ ናይ ሎሚ ዝቐረበ ድልዱል ባጀት ብድንገት ዝመጸ ኣይኮነን። 5 ዓመታት ዝወሰደ ብሓያል ጻዕሪ ዝተረኽበ ፍረ እዩ፡፣ ኣውስትራሊያ ነቲ ናይ ሰልፊ ለበር ልዑል ምኽፋል ግብሪ፡ ልዑል ናይ ወጻኢታት ኣጀንዳ እንተኣፍቂዳ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮ ንዉሑድ ስራሕን ዝሕቱል ዕብየትን መገዲ እዩ ክከውን።

 መንግስቲ ሞሪሶን ብተወሳኺ ብዙሕ ክኢላዊ ስደተኛ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንምስፋር ዝሕግዝ ስጉምቲ ኣብ ዝመጽእ 4 ዓመታት ኣስታት $20 ሚሊዮን ከምዝምድብ ኣፍሊጡ። ነዚ ንምትግባር፡ ብ Regional Migration Hub, ብዝበሃል ኣሰራርሓ ኣብ ዞባታት ዘለዉ ኣስራሕቲ ንኪኢላታት ሰራሕተኛታት ንምርካብ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ ክከውን እዩ።

 ካልኦት ብዙሓት ብሉጻት ትሕዝቶትና’ውን ክትሰምዑ ንዕድመኩም 

1us_uk_apple_podcasts_listen_badge_rgb.jpg
  
1google_podcasts_badge.png


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now