ጽምብላት ዓወት ኣብ መቐለ ይካየዱ ኣለው። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ናይ ለውጢ ተስፋ ኣምጺኡ'ሎ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ነቲ ኣብ ኣፈፈት ጥሜን ዝርከብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሕጂ ረዲኤታዊ ሓገዝ ከብጽሑሉ ክኽእሉ'ዮም። እንተኾነ ግን መራሕቲ ዓለም እቲ ሰላም ነባሪ ከይከውን ይኽእልዩ ብምባል ስግኣት እሕዲሮም ኣለዉ፡ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ፈኸራታት ይገብር ስለዘሎ።
Share






