SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ቅድሚ ዶ/ር ኣቢይን መሪሕነቱን ተገቲሮም ዘለዉ ብድሆታት

Horn Africa
Source: AAP (SBS)

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ኢትዮ ሱማሌን ኦሮምያን ብዝደገሰ ጎንፂ ኣስታት 38 ሰባት ከም ዝሞቱ እናተገልፀ ይርከብ፡፡ ኣብ ሞንጎ ምሁራን ኣምሓራን ብኦነግ ዝዕብለል ምሁር ኦሮምያን እውን ምትፍናናት ኣለዉ፡፡ ኣብ ሞንጎ ኦነግን ብዶ.ር ኣብይ ዝምራሕ ኦህዴድን ዘይምቅዳው ኣሎ፡፡ ብኣዴንን ኦህዴድን ንቲ ብቀዳማይ ሚንስቴር ነብር ሃ/ማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ደቡብ ውድብ በታቲነን ንህወሓት ብሚድያ ክትውቃዕ ዝሰርሓሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ናይ አምሓራ ውድብ ብኣዴንን እውን ዘይምቅድዳው ኣለው፡፡ ውዳበ ዓፋር ምስቲ ብዶ.ር ኣብይ ዝምራሕ ዘሎ ኢህወደግ ኣይተቓደወን ዘሎ፡፡ ፕረዝደንት ኢሳይያስ ምስ ዶ.ር ኣብይ ተደሚረ ኢሎም ኣለው፡፡ እቲ ምድማር አብ ማእኸል ሃገር ዘለው ( ኣምሓራን ኦህዴድን) ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትወሃደሉ መስርሕ እዩ ብዝብል ድጋፍ የሐይሉ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምሁር መወዳእትኡ እንታይ ከም ዝቐውን ኣትኪሉ ይዕዘብ ኣሎ፡፡ ዶ.ር ኣብይ ምድማርና ንዓሰብ ዝሓወሰ እዩ ዝብል መደረ ትማሊ ኣስሚዖም ኣለው፡፡ ኣብ ዶብ ዘለዉ ህዝብታት ዝተነፀረ ኣንፈት ኣይረኸቡን፡፡ ድሕሪ ምድማር ቆላሕታ ፕረዝደንት ኢሳይያስ ናበይ የብል ሕቶ ብዙሓት እዩ፡፡ እዚ ልኢከልካ ዘሎኹ ትንታነ ቁሩብ ምስሊታት ዘርኢ እዩ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ካብቲ ልዝብ ምጉኑናዩ፣ ኢትዮጵያ ብትካላዊ መሰርሕ ሰላማ ክተውሕስ ኣብርእሲ ዘይምኽኣላ በቶም ሓዱሽ ቀዳማይ ሚንስትር ዝእተው ዘለዉ መብፅዓታት ተሰኪሞምዎ ም ዝመፁ ዘለዉ ሓደሽቲን ነባራትን ጠለባት ነታ ሃገር ናብ ቅልወላው ከየእትውዋ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ዕጡቓት ናብ ኢትዮጵያ ይኣትው ኣለው፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዕጡቓት ከ ናበይ ይኺዱ፡፡ ፕረዝደንት ኢሳይያስ ነዚ ከመይ ዕልባት ይገብሩሉ፣ ኤርትራ ከም ኢትዮጵያ እሱራታ ፈቲሓ ድያ ምስ ኢትዮጵያ ሰላማ ተቐፅል ወይስ ከምታ ዘላታ ድሕሪኡ ዘሎ ሃዋህው ከ? ዝብሉን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ስክፍታት ኣለው፡፡

Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now