ጉዕዞ መገዲ ኣብ ኣውስትራሊያ : ቅድሚ ጉዕዞ ምጅማር ክፍለጡ ዝግብኦም ነገራት

Young Family Enjoying Outdoor Meal in Sunlit Minivan

What should you consider before you head off on your road trip? Credit: AzmanL/Getty Images

ንኣውስትራሊያ ንምስትምቓራ ካብ ብመገዲ ምጓዓዝ ዝበለጸ ካልእ የለን ። ኣብ መንጎ "ቲ ሰፊሕ ከፋት ቅርጺ-መሬትን ናይ ገጠራት ዝስንከቱ ፓይን ፡ ዘጋጥሙኻ ትጽቢት ዘይገበርካሎም እንስሳ ዱርን ካልእን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ፍጥነት ነታ ሃገር ክትፈልጠላ ትኽእል ናይ መገዲ ጕዕዞ እዩ ። ኣብ ወጻኢ ናይ ጉዕዞ ተመኩሮ እንተለካ'ኳ ፡ ኣውስትራሊያ ብፍላያ ድማ ንርሑቕ ከባቢታት ኣብትዝውረሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆ ኣለዋ።


    ኣውስትራሊያ ኣዚያ ገፋሕ ሃገር እያ ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ዝበለጸ ክትፈልጣ ብድሕሪት መዘወሪ መኪና ኮይንካ እዩ ።
    "ብዙኅ ጫካታትን ምድረ በዳን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ መዘናግዕን ደሴታትን ኣሎ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ብዘሎ ዝተፈላለየ ቅርጺ መሬትን ጂኦግራፊን ናይ ብሓቂ ርድኢት ይሓድረካ እዩ ። ምስ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ክባቢታት ትራኸብ ስለ ዘለኻ ድማ ፡ ኣውስትራልያ እንታይ ምዃና ብዝያዳ ኽትፈልጣ ጀሚርካ ኣለካ " ብምባል ጸሓፊት ብዛዕባ ጉዕዞ ላራ ፒኮን ተረድእ ።
    ይኹን እምበር ፡ በዚ መጠን እዚ ፡ ከምኡውን በቲ ኵነታት ኣየርን እንስሳ ዘገዳምን ፡ ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ ኣድላዪ እዩ ።

    ብመገዲ ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማርካ ኣብ ግምት ተእትዎም ነገራት እንታይ እዮም?

    ብዛዕባ ጕዕዞኻ ምርምር ግበር ፣ ናብ መገዲ ቅድሚ ምኻድካ ድማ ፡ ኣብ ደረት መገዲ ሓገዝ ዝህቡ (roadside assistance) ተመዝገብ ። ገለ ከባቢታት ርሑቕ ኮይኑ ፡ መስመር ተሌፎን ዘይብሉ ወይ መዐደሊ ነዳዲ ብርሑቕ ጋግ ዝርከበሉ እዩ ።
    ናይ ቀዳማይ ረዲኤት መሳርሒ ፡ ማይ ፡ መግቢ ፡ ናይ ቴለፎን ቻርጀር ፡ ትርፊ ጎማ መኪና ፡ ከምኡ "ውን ናይ ወረቐት ካርታ ወይ ኣትላስ ምቕራብ ።
    ኣብ RACV ኢንሹራንስ ሓላፊ ፖሊሲ ዝዀነ ጀምስ ዊልያምስ ብዛዕባዚ ከምዚ በለ ፦ "ብዙሓት ሰባት ናይ መገዲ ኣትላስ ስለ ዘይብሎም ፡ ኣብ ተሌፎኖም እዮም ዝምርኰሱ ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ግና ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት መስመር ወይ ኮነክሽን ስለዘየለ ብዛዕባ እዚ ክትሓስብ ግድን እዩ ።"
    Kangaroo hopping across an orange coloured dirt road with a 4x4 approaching in the background, The Kimberley, Western Australia, Australia
    Kangaroo hopping across an orange coloured dirt road with a 4x4 approaching in the background, The Kimberley, Western Australia, Australia Credit: Abstract Aerial Art/Getty Images

    ኣብ ጉዕዞ መገዲ ብኸመይ ካብ እንስሳ ዱር ትጥንቀቕ?

    ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ፡ ቀስ ኢልካ ዘውር፡ ንእንስሳታት ብፍላይ ድማ ንካንጋሮ ፡ መጠንቀቕታ ኸይሃቡ ብመንገድታት ሰንጢቖም ከምዝዘሉ ፍሉጥ እዩ ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ወጋሕታን ዕራርቦን ኣዝዮም ንጡፋት ስለዝኾኑ መኪና ምምራሕ ኣወግድ ።
    ኣብ መገዲ እንስሳ እንተ ርኢኻ: ልጉም መኪና ኣጽኒዕካ ሓዝ ናብ የማን ወይ ጸጋም ኣይትጠወ ። ሚስተር ዊልያምስ ፡ "ኣግራብ ክትሃርም ወይ ምስካልእ ክትጋጮ ስለትኽእል ሃንደበት መኪና ምጥምዛዝ ዝኸፍአ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ ።"
    እንስሳ እንተ ወቒዕካ ፡ ሃዲእካ ደው በል ። ኩሉ ሰብ ድሓን ምዃኑ ኣረጋግጽ ፡ እቲ እንስሳ እንተ ተጐዲኡ ድማ ን ኣገልግሎት ድሕነት እንስሳ ዘገዳም ሓብር ።

    ኣብ መገዲ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ እንታይ ሓደጋ እዩ ዘሎ?

    ኩነታት ኣየር ኣውስትራሊያ ቅልጡፍን ብዘገርም ኩነታት ክቕየር ዝኽእል እዩ።
    "ኣብ ሓጋይ ፡ እቲ ጕዳይ ብቐንዱ ባርዕ ዱርን ብርቱዕ ሙቐትን እዩ ። ዋዒ ብፍላይ ብኤለክትሪክ እትሰርሕ መኪና ትዝውር እንተኾይንካ ኣብ ባተሪታት ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ሓደጋ ባርዕ ዱር ናይ ምጕዓዝ ሓደጋ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ሚስተር ዊልያምስ ፡ "ኵሉ ሳዕ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ወይ ኣብ ግዝ ኣትካ ዘሎ ህጹጽ ኵነታት ኣየር ዝምልከት ኣፕሊኬሽን ተኸታተሎ።" ይብል።
    "ኣብ ግዜ ክረምቲ ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ኣስሓይታን ዝወርድ በረድን እዩ። ብሓፈሻ ድማ ኣብ ቈራሪ ወቲ ጥሉል ኵነታት ኣየ ርን ኣብ ናይ ምርኣይ ጸገምን ዘተኰረ ጸገም እዩ ዘአሎ።"
    ማኪናኻ ኣብ ግሉል ቦታ እሞ ድማ መስመር ወይ ኮነክሽን ኣብዘይብሉ እንተ ተሰይራ ፡ ኣብ ማኪናኻ ጽናሕ ። ሚስተር ዊልያምስ ፡ " ኣብ ግዚ ምጥፋእ ካብ ሰብ ንላዕሊ ማኪና ክትረክብ ይቐልል ።
    Old Pubs in Rutherglen
    Old hotels form a historic streetscape in the Victorian town of Rutherglen Source: iStockphoto / Bruce Wilson Photography/Getty Images/iStockphoto

    ኣብ መገዲ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ተጓዓዝቲ ኣበየናይ ቦታ እዮም ከዕርፉ ዝደልዩ?

    ብዙሕ ዘሐጕስን ጥዑም ተሕልፈሎም ኣማራጺታት ኣሎ ።
    ናእሽቱ ከተማታት ብታሪኽን ብጽባቐን ዝልለያን እየን ፣ እቲዓባይ ነገራት ከም "Big Pineapple" ወይ "Big Prawn" ዝኣመሰለ እተፈላለየ ቅርጽታት ድማ ስእሊ ክትስኣለሉ ትኽእል እዩ ።
    ምስ ጠመኻ ፡ ኣብ ናይ ሃገረሰብ መሰንከቲ ባኒ ደው በል ኣብኡ ድማ ናይ ስጋ ፓይ ወይ ቫኒላ ስላይስ ትእዝዝ) ፡ ካብ ናይ በረኻ ባር፡ ናይ ገጠር ቤት መግቢ ቻይናውያን ወይ ናይ ሓረስቶት ወቕታዊ ፍርያት ዝሽየጠሉ ዝርጉሕ ክጸንሓካ ይኽእል።
    ሽቓቓት ኣብ መእለይ ጽርግያ ወይ ሰርቪስ ስቴሽንን ኣብ ደረት ጽርግያ ደው መበሊታትን ይርከቡ ።ምሉእ ለይቲ ትሓድረሎም ፡ እኹል ቦታታት ካምፕን ሆቴላትን ሞቴላትን ኣሎዎ ።

    እንተኾነ ንብዙሓት እቲ ኣገዳሲ ነገር ባህርያዊ ኣቀማምጣ መሬትን ኣብ ግዳም ዝግበሩ ንጥፈታትን ከም ምሕንባስ ፡ ምግፋፍ ዓሳ ፡ ጉዕዞ ኣብ ዉሽጢ ዱር፡ ቅድድም ኣብ ባሕርን ምሕኳር ጎቦታት እዩ ።
    "ኣብ መገዲ ጊብ ሪቨር፡ ከም ቤል ጎርጅ ዝኣመሰሉ ውቁባት ማይ ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ግሉል ሓጽቢ ኣኻውሕ ኽትሕንብስ ትኽእል ኢኻ ። ኣብኡ ሓርገጽ ከም ዘየለ ፍሉጥ እዩ: እንተዀነ ግን ካብ ጫፍ ኣውስትራልያ ዝዀነ ይኹን ቦታ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና "ብምባል ሚስ ፒኮን ትመክር ።
    መሊሳ ካርቦነል ፉለርቶን ካብ ኮሎምብያ ናብ ኣውስትራልያ ምስ ገዓዘት ፡ እቲ ብቐሊልን ውሑስን ጉዕዞ ኣብ መገዲ ኣዝዩ ከም ዝገረማ ትገልጽ።
    ሕጂ ከም ወቕታዊት ተጓዓዚት ብመገዲ ፡ ምስ ንኡስ ስድራ ቤታ ኣዘውቲራ ኣብ መገዲ ትጓዓዝ። "ገዛእ ርእስኻ ምስ ሃገርን ምስ ህዝብን ኢኻ እተጥለቕልቕ ።" ትብል መሊሳ
    Weekend market on Coochiemudlo Island Moreton Bay Queenlsnad Australia
    Weekend market on Coochiemudlo Island is a popular travel scenic destination in Moreton Bay near Brisbane Queensland, Australia Credit: chameleonseye/Getty Images

    ብዙሕነት ርሑቕ ከባቢታት ምርዳእ

    ናይ መንገዲ ጉዕዞታት ንናይ ኣውስትራሊያ ባህላዊ ብዙሕነት ንምርኣይ ሓያል መሳርሒ'ውን ክኸውን ይኽእል ።
    "ንኣብነት ፡ ኣብ ዳርዊን እንተ ኣሊኻ ፡ እታ ከተማ ፡ ሕብረ-ባህልታትን ብዙሕ ጽልዋታት እስያን ዳርጋ ከም ሓንቲ ኣብ እስያ እትርከብ ከተማ እያ ።ኣብ ምሸት ናብ ሚንዲል ቢች ማርኬት ትወርድ እሞ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ትርእያ: ኵሉ እዚ ጽቡቕ ምግቢ ድማ ትረክብ "ትብል ሚስ ፒኮን ።
    "ናብ ኩሉ ዉሽጢ በረኻታት ምስትጓዓዝ ር ኡይ ኣውስትራሊያ መቐረት ኢኻ ትረክብ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ብሉጽ ናይ በረኻ ባራት ይጸንሓካ ። ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ እተፈላለየ ባህልታት ክትርእዮ ክትጅምር ጽቡቕ እዩ "።
    ምስ ሃገርናን ባህሊናን ዝያዳ ምትሕሓዝ ምእንቲ ክህልወካ ፡ ኣብቲ ናይ ደቀባት ቱሪዝም ተመክሮታት ርአ ።
    Woman with her hand out of the car window
    Driving on a road trip in Australia. Source: iStockphoto / Handemandaci/Getty Images/iStockphoto

    ኣበየናይ ናይ መገዲ ክትጓዓዝ ትመርጽ?

    ሚስ ፒኮን ንጀማሪ ምቕሉል ዝዀነ ጕዕዞ መገዲ ብዚምልከት ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣማራጺታት ትህብ ፦ "ኣብ ቪክቶርያ ፡ ግሬት ኦሺያን ሮድ ኣሎ ፣ እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ናይ ገማግም ባሕሪ ጉዕዞ እዩ ። ካብ ብሪዝቤን ናብ ሲድኒ ዝወስድ ገማግም ፓሲፊክ እውን ኣሎ ፣ ኣብ መገዲ ድማ ብዙሓት ገማግም ባሕሪ ዘለወን ከተማታት ኣለዋ ። ታሴ ብዙሕ ዓቢ ቦታ ስለዘይብሉ ፡ ከም ኤውሮጳዊ ከባቢ ስለ ዝዀነ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንኽልተ ሰዓታት ማኪና እናዘወርካ ዝተፈላለየ ቅርጺ መሬት ክትርኢትኽእል ። "
    ወይ ከኣ ዝያዳ ሓድሽ ነገር ምር ኣይ ደስ ዘብለካ እንተኾይኑ ፡ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ኲንስላንድ ፡ ናይ ኬንስ ክሳብ ዮርክ ዝወስድ፡ ኣብ ወስት ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ጊብ ሪቨር ሮድ ፡ ወይ ከኣ ካብ ቪክቶርያ ናብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝተሓሓዝ ዘ ሙረይ ኣሎ። ትጓዓዘሎም ቦታታት ከምዘለዉ ትሕብር።
    ዝያዳ ሓሳባት ንጉዕዞ ንምርካብ ናብ ቱሪዝም ኣውስትራሊያ ወይ ናብቲ ትነብርሉ ግዝኣት ወይ ተሪቶሪ ወግዓዊ ናይ ቱሪዝም ቦታ ብምብጻሕ፤ ዝርዝር ናይ መገዲ ጉዕዞ ሓበሬታን መደብን ክጸንሃኩም እዩ ።
    Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   

    Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 

    Share
    Follow SBS Tigrinya

    Download our apps
    SBS Audio
    SBS On Demand

    Listen to our podcasts
    Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
    Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
    Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

    Watch on SBS
    SBS World News

    SBS World News

    Take a global view with Australia's most comprehensive world news service