ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 30 ዓመት ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ኣፓርታይድ

ተቐማጦ ወረዳ ሶዌቶ ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ቀዳም 16 መጋቢት 2024 ፡ ማይ ንምርካብ ተሰሪዖም ይረኣዩ ። ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ጆሃንስበርግ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ን ዝስተ ማይ ይስርዑ ኣለዉ ፣ እዚ ከኣ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምፍራስ ስርዓተ ማይ ንሚልዮናት ሰባት ዝጸሉ እዩ ። ሃብታማትን ድኻታትን ነበርቲ ፡ ሕጽረት እዚ ከቢድ ኵነታት ኣጋጢምዎም ኣይፈልጥን እዩ ። (AP Photo/Jerome Delay) Credit: AP
ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 1994 ኣትሒዛ ዝተጓዕዘቶ ጉዕዞ ኽሳብ ክንደይ ዕቤት ከም ዘርኣየት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ ።
Share