መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ጂሮ ክሳተፉ'ዮም፣ ሽዋየ ኣብ ቤልፋስት ማራቶን ተዓዊታ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ኣፍኮን2027 ብሓባር ከአንግዳ ሓቲተን፣

Credit: World Athletics
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/04/2023) * ኣብ ከተማ በልፋስት፣ ሰሜን ኣየርላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኢትዮጵያዊት ሽዋየ ወልደመስቀል ተዓዊታ፣ * ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ እግሪ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓብላሊ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ኣብ ፖላንድ ቅድድም ብሽግለታ ካርፓቲያን ኮሪየርስ ረይስ ኤርትራዊያን ናሆም ዘርኣይን ኤፍሬም ገብረህይወትን ይሳተፉ’ለዉ፣ * መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ፣ * ኬንያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2027 ብሓባር ከአንግዳ ድሌት ከምዘለወን ብምግላጽ መመልከቲአን ናብ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣቕሪበን፣ * ኣብ ናይ’ዚ ሰሙን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ 10 ሰሙናት ንፈለማ ግዜ መሪሕነት መሳልል ተርታ ጋንታታት ተረኪባ፣ ሊቨርፑል ንቶተንሃም ስዒራ ናብ ሓምሻይ ተርታ ደይባ፣
Share