ትራምፕ፣ ኣውስትራልያን ዓለምን: ኣብ ግዜ ትራምፕ ኣሜሪካ ሉኣላውነትን ቻርተር ው. ሕ. ሃ.ን እንታይ'ዩ ትርጉሞም፧ ሞንሮ ዶክርቲን፧ - ዕላል ምስ ዶር ኣማኑኤል ኤሊያስ

ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ክንድህስሶም ፈቲንና'ለና። * ስጉምቲታት ኣሜሪካን ሉኣላውነት ሃገራትን፣ * ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ * ሕሉፋት ታሪኻት ኣሜሪካ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካልኦት ኣህጉራትን፣ ፍሉይነት ፖሊሲታትን ስጉምቲታትን ፕረዚደንት ትራምፕ፣ * ኣገባብ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳ ትራምፕ - ብዙሓት ብጸርፊ ጀሚሩ፣ ናብ ምፍርራሕ ከይዱ ናይ ስጉምቲ ይኣቱ ዝብልዎ ከመይ'ዩ፧ * ቀዲሙ ስጉምቲ ወሲዱ ድሕሪኡ ንምንታይ ምኽንያት የቕርብ፣ ቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ምምሕዳር ትራምፕ ክሳብ መዓስን ክንደይን፧ * ትርጉምን ኣመጻጽኣን ፕረዚደንት ትራምፕ ዝጥቀመሉ ዘሎ 'ሞንሮ ዶክትሪን'ን ምላሽ ኣውስትራልያን፣ * ኣውስትራልያ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ትነብር ክንሳ ምዕራባዊት ሃገር ድያ ትቑጸር፧ ንሕቶታት ኣብ ልዕሊ ሞራላዊ ልዑልነት ኣሜሪካ ብኸመይ ትምልሰሉ’ላ፧ ምኽንያታት ትራምፕ ነቶም ዝወስዶም ስጉምቲታት መወዳእታ ኣለዎም ድዩ፧ ዝብሉን ካልኦትን።
Share





