ኣብ መልበርን፣ ኣውስትራልያ፣ መፋነዊን ዝኽርን በሃር ስነጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተኻይዱ

ዝኽሪ በሃር ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ ። እዚ ዝኽሪ ብ ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ (ECA) ከምኡ'ውን ብኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ ፎረም ዝተወደበ እዩ ። ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን እንተላይ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ኣብዚ ትሕዝቶ ብመስርዖ ድምጾም ዝስማዕ: ሳራ ዓሊ-በኺት (ኣደወንበር ECA)፣ ሰሚር ኢማም (ምክትል ኣቦወንበር ECA)፣ ገዲም ሙዚቀኛ ዓብደላ ኣቡበከር፣ ስነጥበባዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ፣ ስነጥበባዊት ደሃብ ፋይድ ቲንጋ፣ ጋዜጠኛን ተንታትንን ሳልሕ ቓዲ ጀሃር፣ ዶክተር ታድዮስ ተስፉ (ተሓኤ)፣ ተጋ. ሃይለየሱስ ገብራይ፣ ኣወሃሃዲ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ሸሪፍ A memorial event was held for the late legendary Eritrean artist, Bereket Mengisteab, in Melbourne, Australia on Sunday 14 December 2025. It was jointly organized by Eritrean Australian Cultural Forum and Eritrean Community in Australia (ECA). Famous artists, including Abdela Abubeker, Dahab Faid Tinga, Saleh Johar and prominent community members shared their fond memories of the late artist.
Share








