ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025)

Source: SBS
ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማ ሲድኒ ንክልተ መዓልታት ነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክኽእሉ’ዮም፣ * ሓደስቲ ጻዕርታት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድሉ ዘለዉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ’ዩ፣ * ኣሽሓት ቲበታውያን ኣመንቲ ቡድሂዝም መበል 90 ዓመት ልደት ናይ’ቶም ድሕሪ ሞት ደጊሞም ክውለዱ መደብ ዘለዎም ዳላይ ላማ ንምብዓል ናብ’ታ ኣብ ኣኽራናት ሂማላያን ናይ ህንዲ ትርከብ ከተማ ዳርምሻላ ክውሕዙ ጀሚሮም፣
Share