ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (19 መስከረም 2022)
SBS Tigrinya Live Podcast
* ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ተመያይጡ፣ ዝተማረኹ ዕጡቓት ፋኖን ምልሻታትን ኣምሓራ ከም ዝለቐቑ መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም፣ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኣዋጅ ክተት ብሪጣንያን ካናዳን ንዜጋታተን ኣጠንቂቐን፣ ሕቡራት ሃገራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቦ ዝሰለዖ 300 ሚልዮን ዶላር ደው ኣቢሉዎ፣ ምሉእ ትግራይ ሓዊስካ ካብ 29.3 ሚልዮን 13 ሚልዮን ተመሃሮ ዝቦኽሩሉ ዓውዲ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክወሃብ ጀሚሩ: ፕረዚደንት ሶማልያ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱሉ ምኽንያት ንፖለቲካዊ ፍልልያት ሃገሩ ምኽንያት ጌሩ ፕረዚደንት ኤርትራ ክመልሶም ፈቓደኛ ብዘይምዃኑ’ዩ ምባሉ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና’ዮም። * ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ክኢላታት ቅዲ ፋሽን ኣብ ከተማ ፐርዝ ፍርያቶም ብመልክዕ ዘመናውያን ቅዲታት ብምቕራብ ሓድሽ ህይወት ንባህሊ ክሶኽዑ ይጥቀምሉ’ለዉ። እዞም ፍርያታት ነቶም ምስ’ታ ኣህጉር መበቆሎም ዝተኣሳሰር ውርሻታቶም ኮሪዖም ከብዕልዎምን ነቶም ካልኦት ከኣ ምስ’ዞም ቅድታት ክላለዩን እዚ ምርኢት ፋሽን ዕድል ፈጢሩሎም ኣሎ። ነዚ ዝገልጽ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ከተማ መልበርን ኣብ’ዚ ቅሩብ እዋን ብስደት ንዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ኣብ ምርካብን ኣብ ምሕያለንን ዝሰርሕ ሓደ ማሕበራዊ ትካል ተኸፊቱ’ሎ። ብዛዕባ’ቲ ትካልን ዕላማኡን ምስ መስራቲት’ቲ ትካል ወ/ሮ ነጅዋ ያሲን ዝተገብረ ዕላል ንሎሚ ዘለና’ዩ። * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ህቡብን ገዲምን ኮኾብ ኤርትራዊን ኢትዮጵያዊን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ሉቺያኖ ቫሳሎ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፣ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 መንእሰያት ት17 ንምሕላፍ ኣብ ዝካየዱ ዞባዊ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ምድብ ምምዳበን፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ተዓዋቲ ዙር ሰርቢያ ምዃኑ፣ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም 2022 ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ምጅማሩን፣ ተቐዳደምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቅርራባቶም ከምዝወድኡን ዝትንትኖም ኣርእስታት’ዮም።
Share